Sunday 26 April 2020

ትንሣኤ ትግራዋይነት ሥነልቦናዊ ውቕሮ ተጋሩ ብታሪኻዊ መነፅር

ካብ መርሥኤ ኪዳን

ኣቐዲመ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣብዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተኣሰሩ ኣሕዋትና ዝተወሰኑ ብምፍትሖም ዝተሰምዐኒ ሓጎስ ክገልፅ ይደልይ። ኣብመላእ ዓለም ንርከብ ተጋሩ ኣሕዋትና ክፍትሑ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ዝድነቕ ይኹን እምበር እቶም ዝተፈትሑ ኣሕዋትና ብኣፃብዕ ዝቑፀሩ ብምዃኖምን ሎሚውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለዝርከቡ ኩላህና እቲ ዝጀመርናዮ ፃዕሪ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ይግባእ። ነዛ ናይሎሚ ፅሕፍተይ ክፅሕፍ መንቀሊ ዝኾነትኒ ካብቶም ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣሕዋትና ሓደ ዝኾነ ኮሎኔል ቢኒያም ተወልደ ነቲ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ከመይ ከምዘሕለፎ ኣብዝተዛረበሉ ግዜ ዝተናገራ ቃል እያ።

 ብመጀመሪያ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ግዜ ምስባዕሉ ክመያየጥን ንብዙሓት ኣብቲ ጉያ ዝበዝሖ ናብራ ክሓስበሎምን ክመራመረሎምን ዕድል ኣብዘይነበሮ ጉዳያት ንከስተማስል ፅቡቅ ግዜን ዕድልን ከምዝፈጠረሉ ተዛረበ። ቐፂሉ ኻዓ ካብቶም ዘስተማሰለሎም ጉዳያት ሓደ ብዛዕባ መንነት ባዕሉን እቲ መንነቱ ዝግለፀሉ ትግራዋይነትን ዝተረድኦ ሓደ ነገር ከምዘሎ ገሊፁ። ንሱውን ኣብሞንጎ ተጋሩን ካልኦት ብሄረሰባት ኢትዮጵያን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ትባሃል ሃገር ዘሎና ርድኢትን ራእይን ኣዝዩ ዝተርሓሓቐ ከምዝኾነ እዚውን እቲ ቀንዲ መንቀሊኡ እቲ ናትና ናይተጋሩ “ስነልቦናዊ ውቕሮን” ናይቶም ካልኦት ህዝብታት ስነልቦናዊ ውቕሮን ሓደ ከምዘይኮነ ከምዝበርሀሉ ገለፀ።

እዚ ጉዳይ እዚ ኣነውን ንብዙሕ ግዜ ክሓስበሉን ከስተማስለሉን ዝፀናሕኹ ጉዳይ እዩ። ከምቲ ኣብሸዋ ተወሊደ ምዕባየይ ኮይኑ ግና ካብ ማንም ትግራዋይ ብዘይነኣሰ በቲ ናይ ትግራዋይነት ስነ ልቦና ተወቂረ ምዕባየይ ነቲ ሓውና ቢኒያም ዝበሎ ናይስነ ልቦና ውቕሮ ኣፈላልያ ኣብሙሉእ ህይወተይ ክዕዘቦ ዝፀናሕኩ እዩ። እቲ ናይ ስነልቦና ውቕሮ ኣፈላልያ ብብዙሓት ባህሪያት ናይቲ ማሕበረሰብ ዝግለፅ እዩ።

ምስቲ ኣብተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታተ ዝመፀ ፖለቲካዊ ለውጢ ተታሒዙ ኣብተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ዝተርኣዩ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን እተን ዝተፈላለያ ህዝብታት ናይታ ሃገር ዝፈፀምዎም ተግባራትን ዝጥቁሙና ነገር እንተሃልዩ ተጋሩ ፍልይ ዝበለ ማሕበረሰባዊ ስነ ልቦና ከምዘሎና እዩ። ኣብዛ ፅሕፍቲ እዚኣ እቶም ናይተጋሩ ባህሪያት መሠረቶም እንታይ ከምዝኾነን ብፍላይ ከምማሕበረሰብ ናይ ቀረባ ኣሕዋትና ምስዝኾኑ ኣምሓሩ ዘሎ ባህሪያዊ ኣፈላልያ እንታይ ከምዝኾነ ታሪኻዊን ስነልሳናዊን መርትዖታት ተደሪኸ ከርእይ ክፍትን እየ።

ከም ውልቀሰብ ነዚ ክፅሕፍ ዘብቅዐኒ ቅድመ ባይታ ኣለዎ እዩ። ከም ኣቆፃጽራ ኣውሮፓውያን ብ2018 ኣቦ መንበር ማሕበር ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ኣብሜኔሶታ ኮይነ ይሰርሕ ነይረ። ንበዓል ኣሸንዳ ንምብዓል ኣብንሸባሸበሉ ግዜ ካብ እቶም ኣባላት ቦርድ ዝነበርና ሓደ ሓሳብ ኣምፀአ። ንሱውን ክንዲ ኩልሻዕ ተኣኪብና በሊዕና፣ ሰቲና፣ ሳዕሲዕና ንፈላለዮ ልምንታይ ነቶም ደቅና ብዛዕባ ታሪኽን ባህሊን ዓዶም ዝፈልጡሉ ናይ ሕቶን መልሲን ምድላው ዘይንገብር ዝብል ሓሳብ ኣምፀአ። ኮይኑ ግና እቶም ደቅና ኣንቢቦም ክርድኡዎም ዝኽእሉ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተፅሓፉ መፃሕፍቲ ክንረክብ ኣይካኣልናን። ስለዝኾነ ነቲ ናይ ሕቶን መልሲን ምድላው ከይገበርናዮ ሓሊፍና።

እቲ ጉዳይ ብዙሕ ኣሻቐለኒ። ካብትግራይ ወፃኢ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝውለዱን ዝዓብዩን ሓዱሽ ወለዶ ተጋሩ ብዛዕባ መንነቶም ዝፈልጡሉ ዕድል ኣዝዩ ንኡስ ከምዝኾነ ተረዲአ። ስለዝኾነ ነቲ ክፍተት ወላ ብንእሽተይ መጠን ክትምልእ ትኽእል ኢለ ዝሓሰብኩዋ “The Habesha Chronicles” ዘርእስታ መፅሓፍ ኣሐቲመ ንንባብ ኣብቂዐ። ዛጊድ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዙሕ ወለዲ ኣንቢቦም ንውላዳቶም ከምዚ ዝበለ መፅሓፍ ብምርካቦም ክንደየናይ ከምተሓጎሱ በብግዚኡ ብኢሜይልን ብኻልኦት መርበባት ገይሮም ይሰዱለይ ኣለዉ።

 ነቶምሓዱሽ ወለዶ ኣሕዋተይ ከፍልጥ ኢለ ኣብዝጀመርክዎ ታሪኽ ናይተጋሩ ናይምንባብን ምፅሓፍን ተበግሶይ ዝረኸብክዎም ሓቅታትን ጭብጢታትን ኣነ ባዕለይ ንነዊሕ ግዜ ሒዘዮም ዝፀናሕኩ ኣተሓሳስባታትን ታሪኻዊ ርድኢታትን ዝፍትኑ ኮይኖም ረኺበዮም። መብዛሕትና ተጋሩ ኣብተን ኢትዮጵያ ወይ ኻዓ ኤሪትራ ዝባሃላ ፖለቲካዊ መንነታት ተዋሒጥና ነቲ ካብቶም ቀዳሞት ስልጡናት ሓደ ዝነበረ መንነትና ከምዝረሳዕናዮን እቲ ሓዱሽ ወለዶውን ብዛዕባ ትግራዋይነት መንነቱ ዝፈልጠሉ ዕድል ፈፂሙ እናጠፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ተረዳእኹ። ሎሚ ከምመቐፀልታ ናይቲ ተበግሶይ ኣብተጋሩ (ትግርኛ ተዛረብቲ) ዘተኮረ ካልኣይ መፅሓፍ ኣብምፅሓፍ ይርከብ። እዛ መፅሓፍ እዚኣውን ብቋንቋ እንግሊዝኛ ትፀሓፍ ስለዝኾነት እግረመንገደይ ኣብምንባብ ዝረኸብኩዎም መፅናዕቲታት ተደሪኸ ብዛዕባ እቲ ወቕታዊ ዝኾነ ስያሜ መንነት ተጋሩን መንቀሊ ባህሪያትናን ዘለኒ ርድኢት ብትግርኛ ከቕርበልኩም እፍትን።

ሓደ ካብዘሕዝኑኒ ነገራት ኣንሕና ተጋሩ ንኹን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮዮጵያን ኤሪትራን ብሓፈሻ ህዝብታት ኣፍሪካ ብዛዕባ ታሪኽና ንረኽቦም ሓበሬታታት ካብቶም ብኻልኣይ ብርኪ ነቲ ታሪኽና ወሲዶም ከምቲ ዝደልዩዎ ዝፀሓፍዎ ምዕራባውያን ታሪኽ ፀሓፍቲ እዩ። ወላኳ መብዛሕትኦም ኣውሮፓውያን ተመራመርቲ ነቲ ታሪኽና ዝበረዝዎ ኮነ ኢሎም እንተዘይኮነ መብዛሕትኡ ታሪኽ ዝፀሓፍዎ በቲ ናቶም ኣረኣእያን ካብቲ ቅድሜኦም ዝነበሩ ኣውሮፓዊ ስነሓሳባትን ጭብጢታትን ተበጊሶም ብምዃኑ እቲ ዝፅሕፉዎ ታሪኽ ክንድቲ ርሕቐቶም መጠን ህፀፅ/ጌጋ ወይ ጉድለት ኣለዎ እዩ።

ንምሳሌ ኣብማኸላይ ዘመን ፖርቱጋላውያን ኣብ ዓድና ምስመፁ እቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ንባዕሉ ሓበሻ (ኅበሳ) ኢሉ ከምዝፅውዕ ረኣዩሞ ናብናቶም ቋንቋ ክቕይርዎ እንከለዉ “ኣቢሲንያ” በልዎ። ብዘሕዝን ኣካይዳ፣ መማህራን ናይሓበሻ ነቲ ባዕላቶም ካብ ኣበዋቶምን እመዋቶምን ዝረኸብዎ ቀዳማይ ብርኪ መረዳእታ ገዲፎም ናይቶም ኣውሮፓውያን ብዛዕባና ክፅሕፉ ዝተጠቀሙሉ “ኣቢሲኒያ” ዝባሃል ስያሜ ናብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣእቲዮም የምህሩ ኣለው። እቲ ትኽኽልኛ ስምና ግና “ሓበሻ” ወይ “ኅበሳ” እምበር ኣቢሲኒያ ኣይኮነን።

ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ስያሜ መንነት ተጋሩ ኣዝዩ ግጉይ ሓበሬታ ኣብቲ ስሩዕ ትምህርቲ ናይ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ይንገር እዩ። ንሱውን እቲ ትግራዋይ ዝብል ስያሜ ካብ ቋንቋ ዓረብ ከምዝመፀን “ትግሪ” ማለት ነጋዳይ ህዝቢ ማለት እዩ ዝብል ኣስተምህሮ እዩ። እዚ ፍፁም ሓሶት ምዃኑ ዘርእዩ መረዳእታታት ኣለው። መእምር ቦኽረፅዮን ዝተብሃሉ ትግራዋይ ኤሪትራዊ ብዛዕባ ቋንቋ፣ ግእዝ፣ ትግርኛ፣ ዓረብን ካልኦት ጥንታዊ ቋንቋታት ብዙሕ መፅናዕቲ ዝገበሩ ኮይኖም ብዛዕባ ስያሜ መንነትና ዝኾነ “ትግራይ” ዝብል ቃል ብጭብጢ ልሳናዊ ኣመፃፅኡ የረድኡ እዮም።

 ቅድሚ ናብቲ ልሳናዊ ትርጉም “ትግራይ” ምእታውና ታሪኻዊ ቅድመ ባይታ ናይቲ ህዝቢ ክንርእይ ይግባእ። ኣሽሓት ዓመታት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣትሒዙ “ሰብኣውያን” ኣብ ናይሎሚ ትግራይ፣ ኤርትራን የመንን ይነብሩ ከምዝነበሩ እቶም ቀዳሞት ኣበዋትና ካብዝሓደግዎም “ሰብኣዊ” (ሳባዊ) ፅሑፋት ዝተፅሓፈሎም ናይ እምኒ ፅላታት ክነረጋግፅ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኦም ኣውሮፓውያን ናይታሪኽ ተመራመርቲ ቀዲሞም ዝተፋለጡ ምስቲ ንሳቶም ሴማዊ እናበሉ ዝፅወዕዎ ናይ ዓረብ ቋንቋ ብምዃኑ ብፍላይ ኻዓ እቶም ሎሚ ኩላህና ንጥቀመሎም ቁፅሪታት(Arabic Numbers) ካብ ዓረብኛ ዝረኸብዎም ስለዝኾኑ ካብቲ ንቋንቋ ዓረብ ዝነበሮም ልዑል ኣረኣእያን ነቶም ናይ ቆዳና ቐለም ፀሊም ዝኾነ ህዝቢ ካብዘለዎም ንዕቀት ተበጊሶምም ሰብኣውያን ካብ ዓረብያ ተበጊሶም ናብ ናይሎሚ ትግራይን ኤሪትራን መፂኦም ዝብል ታሪኽ መሓዙ።

 ኮይኑ ግና እቲ ጂኦሎጂካል መረዳእታ ከምዘርእዮ ወድሰብ ካብ ሎሚ ኣፍሪካ ኢልና ንፅውዓ (ብናይ ኣበው ኣፀዋውዓ “ካሚታ”) ተበጊሱ ናብ ኤሽያ ኣህጉር ተሳገረ እምበር ካብ ኤሽያ ናብ ኣፍሪካ ኣይተሳገረን። ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ትግራይን ዓፋርን ዝተረኸቡ ኣርኪዮሎጂካል መረዳእታታት ወዲ ሰብ ቅድሚ ክልተ ሚኢቲ ሺሕ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ መሳርሒታታ ካብ እምኒ ሰሪሑ ኣብቲ ሎሚ ተጋሩን ዓፋርን ንነብረሉ ቦታ ስልጣኔ ከምዝጀመረ የርእዩ። እቲ ዝሰልጠነን ካልኦት ክፋላት መሬት ክድህስስ ዝደለየን ህዝቢ ኻዓ በቲ ሎሚ ዓደን ወይ የመን ንብሎ መሬት ብ”ባብ ኤል መንደብ” ገይሩ ናብቲ ዝተረፈ ክፋል መሬት ተስፋፍሐ። ስለዝኾነ ሰብኣውያን (ሳባውያን) ካብ ናይሎሚ ትግራይን ኤሪትራን ተበጊሶም ናብ የመን ከዱ እምበር ካብ የመን ኣይመፁን። እቲ ኻሊእ ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ መረዳእታ እቲ ስነ ልሳን እዩ። ዋላኳ እቶም ናይ ዓረብን ናይኣውሮፓን ሰነዳት ነቲ ህዝቢ “ሳባ” ኢሎም ተሰነዱዎ ብዝኾነ ቋንቋ ትርጉም የብሉን። ኮይኑ ግና በቶም ውላዳት ሰብኣውኛ ዝኾኑ ግእዝ፣ ትግርኛን ትግራይትን(ቋንቋ ትግረ) “ሰብእ” ማለት “ሰብ” ወይ ኻዓ “ህዝቢ” ማለት እዩ። እቲ ካብ ሃዲንካ ምብላዕ ሓሊፉ በመሳርሒታት ምሕራስን ምፅሓፍን ዝጀመረ ህዝቢ ንባዕሉ ሰብእ ኢሉ ክፅውዕ ዝጀመረሉ ግዜ ኣሸሓት ዓመታት ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ናይሎሚ ትግራይን ኤሪትራን እዩ።

 ድሕሪኡ ኣብቲ ንጉስ ሰለሞን ምስ ንግስተ ሳባውያን (ሰብኣውያን) ተራኸበ ኣብተባህለ ግዜ ሰብኣውያን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓሊፎም ናብ የመን ሰጊሮም ከምዝነበሩ እሙን እዩ። ስለዝኾነ እታ ናብ ሰለሞን ዝኸደት ንግስቲ ሰብኣውያን የመናውያን ይኹኑ ተጋሩ (ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን) ናትና እያ እንተበልዋ ጌጋ የብሉን። 

ኣብዚኣ ነቶም ስነልሳን ክምርምሩን ክርድኦም ዝኽእሉን ሓንቲ ዓይኒ ኸፋቲት መረዳእታ ከቕርብ። ኣብቲ ናይ ግእዝ ኣፀሓሕፋ (ግእዝ ማለት መሰረታዊ (standard) ኣናባቢ ዘይተሓወሶ ድምፂ ወይ ፊደል ማለት እዩ) ኣብቶም ኣብየመን ይኹን ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዝተረኸቡ ናይ ሰብኣውያን ፅላታት ንረኽቦ ፅሑፍ ዝተፅሓፈ ከምዚ እዩ “አበሰ” (ካብ የማን ንፀጋም ዝንበብ ማለት እዩ)። ከምቲ ሎሚ ንፅሕፎ ካብ ፀጋም ናብ የማን እንድሕር ተፃሒፉ “ሰበአ” ይኸውን ማለት እዩ። ኣብዚኣ ንረኽባ ቁም ነገር እቲ “ሰበኣ” ንብሎ ንድሕሪት ክነንብቦ ከሎና “ኣበሰ” ኮይኑ ንረኽቦ። እቶም ግእዝ ኣፀቢቆም ዝፈልጡ ከምዝርድኡዎ ኣብቲ ጥንታዊ ግእዝ ይኹን ሰብኣዊ ቋንቋ “ሰ”ን “ሸ”ን ተለዋዋጢ እየን። ስለዝኾነ እቲ “አበሰ” ዝብልን “አበሸ” ዝብልን ሓደ እዩ። እቲ ቁምነገር እቶም ሰብኣውያን ዝበሃሉ ህዝቢን ሓበሻውያን (ኅበሳውያን) ዝበሃሉ ህዝቢን ሓደ እዮም ንምባል እዩ። 

ስለዝኾነ እቲ ሓበሻ ወይ ኅበሳ ዝበሃል ቃል ከምቲ እቶም ዘመናዊ ናይ ታሪኽ ፀሓፍቲ ኢና ዝብሉ ሰባት ዝብሉዎ ካብ ቋንቋ ዓረብ ዝተወሰደ ዘይኮነ ናይባዕልና ጥንታዊ ስም እዩ። ካብቲ ሰብኣውያንን ሓበሻን ቐፂሉ ዝመፀ ናይ ኣበዋትና ስያሜ “ኣግኣዝያን” ዝብል እዩ። ብስነ ልሳን ናይ ሓደ ቋንቋ ኩሎም ቃላት መሠረቶም ግሥታት ወይ ኻዓ ገቢራዊ ቃላት እዮም። ንምሳሌ ሓረሰ ዝብል ግሥ ቃል ናብ ሓረስታይ፣ መሕረሲ፣ ሕርሻ፣ ተሓራሲ፣ ሓራሲ እናተብሃለ ካልኦት ቃላት ይፈጥር ማለት እዩ። ብተመሳሳሊ ኣግኣዚያን ዝብል ቃል መሠረቱ እቲ “ገአዘ” ካብ ዝብል ቃል ዝተበገሰ እዩ። ገኣዘ ማለት “ፀንዐ” ወይ “ሥርዓት ሓዘ” “ዘይልወጥ መሠረት ኮነ” ማለት እዩ። ንኣብነት ግኡዝ ክንብል ከሎና ዘይንቀሳቐስ ዘይልወጥ፣ ኣብዘለዎ ዝፀንዐ ኣካል ማለት እዩ። ነቲ ገኣዘ ዝብል ግሥ ቃል ክነራብሖ ከሎና ናብ ኣግኣዘ ዝብል ቃል ንበፅሕ። ኣግኣዘ ማለት “ሥርዓት ክተሓዝ ገበረ”፣ መሠረት ኣትሓዘ፣ መስመር ኣትሓዘ፣ (Standard) ፈጠረ ማለት እዩ። ስለዝኾነ ቀደም ኣብ ዘመነ ኣክሱም ዝነበሩ ኣቦታትና ኣግኣዝያን ዝባሃሉ ካብ ኣክሱም ተበጊሶም ብምብራቕ ስካብ ዓረብያ ብደቡብ ስካብ ፑንት (ሶማሊያ)፣ ብምዕራብ ስካብ መሮዌ ብሰሜን ስካብ ምስሪ እናዘመቱ ነቲ ኣረመኔ (ስርዓት ዘይብሉ፣ savage) ህዝቢ ይ”ግእዙ”፣ የፅንዑ፣ ሥርዓት የትሕዙ ስለዝነበሩ ኣግኣዝያን ይባሃሉ ነበሩ። ግእዝ ዝባሃል ቋንቋናውን እቲ ናይ ስያሜ ትርጉሙ “መሠረት” (base) ወይ ኻዓ ናይ ፅሑፍ (standard) ማለት እዩ።

 ካብ ኣግኣዝያን፣ ኅበሳ/ሓበሻን፣ ሰብኣውያን ብተወሳኺ ስካብ ሎሚ ሒዝናዮ ዘለና ስያሜና ኻዓ ትግራይ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ትግራይ ዝብል ስያሜ ዘቕርቦ መረዳእታ ምስቲ ኣግኣዚያዊ መንነትና ተታሒዙ ነቲ ሎሚ ንርእዮም ናይህዝብና ባህርያት ከመይ ከምዝሓዝና፣ ከመይ ሰብ ሥርዓት ከምዝኾንና፣ ከመይ ሰብኣዊነት ዝስምዐና ህዝቢ ከምዝኾንና የርእይ እዩ። ቅድሚ ናብቲ ትግራይ ዝብል ስያሜ ከመይ ከምዝረኸብና ምርኣይና ናይ ኣክሱም ኢምፓየርን (ሃፄያዊ መንግስቲ) ናይ ካልኦት ኢምፓየራት ተመሳሳሊ ባህሪ ንመልከት። ንኣክሱም ሓዊሱ መብዛሕትኦም ኢምፓየራት መበገሲኦም ምዕቡል ከተማ (City State) እዩ። መብዛሕቲኦም ካብታ ምዕብልቲ ከተማ ኮይኖም ግዝኣቶም ብምስፋሕ ነቲ ግዝኣቶም የመሓድሩ። ኣብቲ ናይ ሃፀይ (ኢምፓየር) ግዝኣትነት ዝሕወሱ ህዝብታት ዝህልዎም ኣባልነት ናይቲ መንግስቲ ዝተፈላለየ ብርኪ ይህልዎ። ፍርቆም ባርያ ኮይኖም ይጋዓዙ፣ ፍርቆም ኣብዘለውዎ ኮይኖም ተገዛእቲ ይኾኑ፣ ፍርቆም ካልኣይ ብርኪ ዜጋ ናይቲ ኢምፓየር ይኾኑ ፍርቆም ኻዓ ቐጥተኛ ዜጋ ናይቲ ሃፀይን (Empire) ናይታ ከተማ (City State) ይኾኑ። 

ንምሳሌ ናይ ሮም ከተማ ምዕቡል ህዝቢ ዝመርሕ ሃፀይ (Emperor) ካብ ሮም ተበጊሱ ግዝኣቱ እናስፍሐ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ገዚኡ እዩ። ኣብ ናይሮማ ኢምፓየር እቶም ናይ ሮማ ከተማን ከባቢኣን ህዝቢ ሮማውያን ይባሃሉ (Cives Romani) ናይ ሮማ ዜጋ እዮም። ኩሎም ናይባዕሎም መሬት ነይርዎም፣ ናይባዕሎም ጥሪት ናይምፍራይን ኩሎም ፖለቲካዊ መሰላቶም ዝተሃልዉሎም ነይሮም። ብኻልኣይ ብርኪ ናይባዕሎም ሥርዓትን ምምሕዳርን ዘለዎም ግና ብትሕቲ ሃፀይ ሮማ ዝኣተዉ ህዝብታት ካልኣይ ብርኪ ዜግነት ነይርዎም። ብሳልሳይ ብርኪ ኣረመኔ (ሥርዓት ዘይብሎም, savage) ዝነበሩ ናብ ሮማ ግዝኣት ዝኣተዉ ግን ብባርነት ዘይተትሓዙ ምስ ካብ ባርነት ናፃ ዝወፁ ተሓዊሶም ሳልሳይ ብርኪ ዜግነት ነይርዎም። እቶም ናይ መጨረሻ ብርኪ ዜግነት ዘለዎም ኣብዝኾነ ግዝኣት ሮማ ብባርነት ዝነብሩ ነይሮም። 

ኣብ ኣክሱማዊ ሃፀያዊ መንግስቲውን (ኢምፓየርውን) ተመሳሳሊ ናይ ዜግነት ብርኪታት ነይሮም። ናብ መን ኣይናይ ብርኪ ነይርዎ ዝብል ቅድሚ ምኻድና ብዛዕባ ሓንቲ ቃል ልሳናዊ ትርጉም ምርዳእ ኣድላይ ይኸውን። ንሱውን “ሃገር” ዝብል ቃል እዩ። ሎሚ ሃገር ዝብል ቃል ንጥቀመሉ ነቲ ናይ ቀደም ብሔር ዝብል ቃል ብምትካእ እዩ። ኣብ ዘመነ ኣክሱም “ሀገር” ዝብል ቃል ዝተፈለየ ትርጉም ነይርዎ። ሃገር ካብ “ሀገረ” ዝብል ግሣዊ ቃል ዝብገስ እዩ። ሀገረ ማለት ሰልጠነ፣ በልሐ፣ ፀረየ፣ በዓል ሥርዓት ኮነ ወይ በእንግሊዝኛ/ላቲን (civilize) ንብሎ ቃል ማለት እዩ። ንኣብነት ብ ኣምሓርኛ ንዘይሰልጠነ ፈረስ ከተምህሮን ስርዓት ክተትሕዞን ከሎኻ “ተገራ” ትብሎ። “ተገርሀ” ማለት ጥራሕ ከይኾነ “ተሃገረ” ከምማለትውን እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ኣክሱማዊ ኢምፓየር ናይቲ ስልጣኔ (civilization) ኣካል ዝኾኑ ህዝቢ ቀዳማይ ብርኪ ዜጋ ነይሮም። ብኻልኣይ ብርኪ ከም ቤጃ፣ ኢትዮጵያ፣ ራይዳን፣ ሕምያር ዝበሉ ኻዓ ናይቲ ኢምፓየር ኣባላት ዝኾኑ መንግስታት ናይባዕሎም ሥርዓትን ባህሊን ሒዞም ነበሩ። እቶም ኣብ ከምዚ ዝበሉ ግዝኣታት ዝነበሩ ካልኣይ ዜግነት ነይርዎም። ብሳልሳይ ብርኪ ኻዓ እቶም ኣረመኔ ዝነበሩ ኣብ ናይ ኣክሱም ግዝኣት ዝተፀንበሩ ኮይኑ ግና ኣብባርነት ዘይኣተዉ ህዝቢ ነይሮም። ከም ኩሉ ናይቲ ግዜ ኢምፓየራት ብባርነት ዝገዓዙ ናይመጨረሻ ብርኪ ኣባላት ነይሮም።

 ኣብ ኣክሱማዊ ኢምፓየር ናብኩሉ ዓንፈት እናወፈሩ የግእዙ (ስርዓት የትሕዙ፣ ኣብ ኣመሓድራ የእትዉ) ዝነበሩ ህዝቢ ኣግኣዝያን ይባሃሉ ከምዝነበሩ ኣብላዕሊ ተገሊፁ እዩ። እዞም ህዝቢ እዚኦም ኣብቲ ስርዓት ምሕደራ ኣክሱማዊ መንግስቲ “ተሃጋርያን” ነቲሓደ ሰብ ኻዓ “ተሃጋራይ” ይባሃሉ ነይሮም። ንሱውን ባዓል ሀገር (ሀገር ማለት ስልጣኔ፣ civilization) ማለት እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ እዚኦም ናይቲ ስልጣኔ ሥርዓት ማሓዝቲን ኣፈፀምቲን ዝኾኑ ህዝቢ “ተሃጋራይ” ይባሃሉ ነይሮም። ድሕሪ ግዜን በናይቋንቋ ምልውዋጥን እቲ “ተሃጋራይ” ናብ “ትግራይ” ዝብል ተቐየረ። ስለዝኾነ ትግራይ ማለት ዝሰልጠነ፣ ሥርዓት ዝፈልጥ፣ ሥርዓት ዘስፍን፣ ባዓል ዋና ናይቲ “ሀገር” (ስልጣኔ፣ civilization) ማለት እዩ። በቲ ግእዛዊ ኣፀዋውዓ ሎሚ ሃገር ንብሎ ብሔር እዩ ዝበሃል። እቲ ናይ “ተሃጋርያን” ወይ ካዓ “ተሃጋሩ” ሃገር ብሔረ ኣግኣዝያን ይባሃል ከምዝነበረ ብዙሓት መረዳእታታት ኣለዉ። ኣብትሕቲ ኣክሱማዊ ኢምፓየር እቶም ወነንቲ ብሔረ ኣግኣዝያን (ኣክሱም ከተምኦም) ኮይኖም ብዙሓት ብሔራት (ብናይሎሚ ኣፀዋውዓ ሃገራት) ብትሕቴኦም ከምዝነበራ ካብ ሓድጊታት ኢዛናን ካሌብን ምርዳእ ይካኣል። ካብቶም ትሕቲ መግዛእቲ ኣክሱማውያን ዝኾና ብሔራት ሓደ ኢትዮጵያ ዝባሃል ብሔር ከምዝነበረ ኣብ ናይ ኢዛና ፅላት ብግልፂ ተፃሒፉ ይርከብ። 

ኣብሮማ ኢምፓየር ሓደ ናይ ሮማ ዜጋ ናይ ኣተሓሳስባ ልህቀት ዘለዎ፣ ሥርዓት ዘለዎ፣ ናብቶም ካልኦት ግዝኣታት እናወፈረ ዝሰርዕ ህዝቢ ማለት ነይሩ። ነቲ ሮማዊ ኣተሓሳስባን ሥርዓትን “Romanitas” ይብልዎ ነይሮም። ኣብቲ ኣክሱማዊ ሃፀያዊ መንግስቲ ኻዓ እቲ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባን ሥርዓት “ትሃጋራይነት” ወይ ብናይሎሚ ቋንቋ “ትግራዋይነት” እዩ ነይሩ። ነቲ ሥርዓት እናወፈረ በብግዝኣቱ ዘስፍን ህዝቢ ኻዓ “ትሃጋራይ” (ትግራይ) ይባሃል ነይሩ።

 ኣባል ኣመራርሓ ማሕበር ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ኣብ ሜኒሶታ ኣብቲ ዝነበርኩሉ ግዜ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ማሕበረሰባት ሕብረት ንምፍጣር ንፅዕር ነይርና ሓደ ግዜ ሰሊጡልና ምስ ኦሮሞ፣ ጋምቤላ፣ ሶማልን ዓፋርን ብሓባር ክንሰርሕ ጀሚርና ነይርና። ፀኒሑ ናይ ኣምሓሩ ማሕበረሰብ ዝባሃል ተጣይሹ መፂኦም ተሓዊሶምና። እቲ ናይ ኣባልነት ፎርም ብኣጋጣሚ ኾይኑ ኣነ ይምልኦ ነይረ። ናይቲ ሓደ ኣመራርሓ ማሕበረሰብ ኣምሓሩ መረዳእታ ክምልእ ከለኹ ኣብቲ ብሄር ዝብል “ኣምሓራ” ኢለ ክመልእ እንተለኹ ጠጠው ኣቢሉኒ “ኣምሓራ” ዝብል ቃል ጌጋ ከምዝኾነን ንሱ “ኣማራ” ከምዝኾነ ነጊሩኒ። እዚኣ ትምክሕቲ እምበር “ኣምሓራይ” ምዃንካ ይፈልጠካ እየ እናበልኩ ብልበይ ከምታ ዝበለኒ “ኣማራ” ኢለ ፅሒፈያ። 

ድሕሪኡ ብዛዕባ ታሪኽ ህዝቢ ኣምሓራውን ከንብብ ጀሚረ። እቲ ዝረኸብኩዎ መረዳእታ ዘርእዮ እቲ ሎሚ ኣምሓራ ንብሎ ህዝቢን እቲ ጥንታዊ ነገደ ኣማራ ዝባሃልን ሓደ ከምዘይኮነ እዩ። ካብ ቅድሚ ክርስትና ናይ ኣክሱም መንግስቲ ኣትሒዙ “ኣማራ” ዝብሃል ህዝቢ ኣብናይሎሚ ደቡብ ወሎ “ሣይንት” ኣብዝበሃል ኸባቢ ይነብር ነይሩ። እዚ ህዝቢ ከምቶም ካልኦት ዝብታት ኣብትሕቲ ኣክሱማዊ ሃፀይ ዝመሓደር ህዝቢ ነይሩ።

 ኣምሓራ ዝብሃል ህዝቢ ዝተፈጠረ ግና ድሕሪ ሃፀይ ኢዛና እዩ። ቅድሚ ናብ ኣሰያይማ ኣምሓራ ምኻድና ተመሳሳሊ ታሪኽ ዘለዎ ናይሮማ ሃፄያዊ መንግስቲ ታሪኽ ንመልከት። ቆስጠንጢኖስ (Constantine) ንክርስትና ከምሃይማኖቱ ተቐቢሉ ሃይማኖት ናይሮማውያን ከምዝኾነ ምስኣወጀ እቲ ናይሮማ ግዝኣት ናይምስፋሕ ኸይዲ ሃይማኖታዊ መልክዕ ሓዘ። ዝኾነ ህዝቢ ኣብትሕቲ ሮማ ምስ ኣተወ ናብክርስትያንነት ምቕያር ተጀመረ። መብዛሕትኦም ናይ ቀደም ናይሮም ክርስቲያናዊ ኣስተምህሮታት ሓደሰብ ክርስቲያን ምስኾነ ነቲ ቀደም ዝነበሮ ነገድ ሓደገ ምስኩሉ ክርስቲያን ናይሮማ ሓደ ኮነ ማለት ከምዝኾነ የምህሩ ነይሮም። ነቶም ክርስቲያን ዘይነበሩ ህዝቢ ኣረመኔ (savage) ንክርስቶስ ተቐቢሎም ናይሮማ ካቶሊኽ ቤተክርስቲያን ኣባል ዝኾኑ ኻዓ ካብ ኣረመኔነት ሓራ ዝወፁ “ክርስትያን” ይባሃሉ ነይሮም። 

ሃፀይ ኢዛና ክርስትና ናይመንግስቲ ሃይማኖት ገይሩ ምስ ኣወጀ ኣብ ኣክሱማዊ ሃፄያዊ መንግስቲውን ተመሳሳሊ ኣካይዳ ነይሩ። ካብ ናይ ሎሚ ትግራይን ኤሪትራን ተበጊሶም ናብ ደቡብ እናወፈሩ ዘምህሩ ብዙሓን መነኮሳት ነይሮም። ብሃፀይ ኢዛና ኣዛዚነት ምንኣስ ሓዉ ንኢዛና ዝኾነ ሳኢዛና ዝመርሖም ወትሃደራት ናብ ደቡብ ወፊሮም ኩሉ ዝረኸብዎ ነገድ ካብ ፀልማት፣ ድንቁርና፣ ኣረመኔነት ናብ ናይክርስቶስ ትምህርቲ ናፃ (ሓራ) የውፅእዎ ነይሮም። ከምቲ መብዛሕትና ንፈልጦ ብቋንቋ ግእዝ “ዐም” (ኣም) ማለት ህዝቢ ማለት እዩ። ዝለዝኾነ እቶም ካብ ኣረመኔነት፣ ፀልማትን፣ ድንቁርና ናፃ ዝወፁን ንክርስቶስ ዝተቐባሉን “ ዐምሓራ” (ኣምሓራ፤ ሓራ ዝወፀ ህዝቢ) ይባሃሉ ነይሮም። 

ከምቲ ናይ ሮማ መንግስቲ ናብ ባይዛንታይን ተቐይሩ ክርስቲያንነትን ባይዛንታይነትን ሓደ ከምዝኾኑ ኣብ ኣክሱምውን ብናይ ኣባ ፍሬምናጦስ (ኣባ ሰላማ) ድፍኢት እቲ መንግስቲ ስያሜኡ ናብ “ኢትዮጵያ” ቐየረ። ሓደ ሰብ ካብዝኾነ ነገድ እንድሕር ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ እምነት ተቐቢሉ ተጠሚቑ ኻዓ ኣምሓራ ኾነ ወይ ኢትዮጵያዊ ኾነ ዝብል ትርጉም ተውሃቦ። ነቲ ዝተፈላለየ ኣብደቡብ ዝነብር ነገድ እናወፈሩ ኣምሓራ ዝገብርዎ ኻዓ ባዕሎም “ትሃጋርያን” (ተጋሩ) ወይ ኻዓ ኣግኣዝያን ነይሮም። 

ኮይኑ ግና ድሕሪ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ብሔረ “ኣግኣዚያን” (ተሃጋርያን) ዓብይ ፈተና ገጠሞም። ባይዛንታይን ብዑትማን ቱርካውያን ከምተትሓዘት እቲ ናይ ኣክሱማውያን መዋፈሪ ዝነበረ ምብራቃዊ ገማግም ናይሎሚ ኤርትራን ሶማልን ኣብትሕቲ ዓረብን ቱርክን ወደቐ። ናይ ዓረብ ሠራዊት ናብ ውሽጢ ኣክሱማዊ ግዝኣት ውን ኣተወ። ኣክሱማውያን ናብ ቆላታት ናይሎሚ ኤርትራን ትግራይ ሃዲሞም ተሓብኡ። ዓዕራብ ነቲ ዝነበረ ኣባይቲ ይኹን ሕርሻ ይኹን ኩሉ ምዕባለ ኣጥፍኡዎ። ሃይማኖታዊ ፅሑፋትን ንዋያትን ኣብከውሒታት እናኾዓቱ ብዝሓብኡወን መነኮሳት ብጣዕሚ ንእሽተይ ተሪፈን። ሃይማኖታዊ ዘይኮኑ ፅሑፋት፣ ንዋያትን ሓድጊታትን ግና ሙሉእ ብሙሉእ ጠፊኦም። ዓዕራብ ነቲ ናይ ኣግኣዝያን ሃገር ምጥፋእ ከም ቀንዲ ዋኒኖም ሓዝዎ።

 ዓዕራብ ንኣክሱማውያን ወይ ኣግኣዝያን (ተጋሩ) ብዝተፈለየ ከጥፍኡ ዝደለይሉ ታሪኻዊ ምኽኒያት ኣለዎም። ኩሉ ዓረብ ካብ ህፃንነቱ ኣትሒዙ ዝማሃሮ ሓደ ታሪኽ ኣሎ። ንሱውን ኣብራሃ ዝተብሃለ ናይ ሃፀይ ካሌብ ወትሃደራዊ መራሒ ናብ “ካእባ” ዝባሃል ቦታ ዝገበሮ ወፍሪ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ኩሉ ዓረብ “ኣብረሃን ሓራምዙን” ብዝባሃል ኣፋዊ ታሪኽ እናተነገሮ ዝዓበየሉ እዩ።

 ከምቲ ፅውፅዋይ ናይ ዓረብ ይኹን ከምቲ ብመዛግብቲ ዝተረጋገፀ ኣብረሃ ዝተብሃለ ናይሃፀይ ካሌብ ወትሃደር ኣብ ሰንዓ እታ ብግዚኡ ዝዓበየት ቤተክርስቲያን ኣህነፀ። ኩሉ ኣብ ዓረብያ ዝነብር ሰብ ብዘየካ ንክርስቶስ ንዝኾነ ይኹን ካሊእ ኣምላኽ ከይሰግድ ኣወጀ። ኮይኑ ግና ኣብ መካ ዝብሃል ዓዲ ካእባ ዝብሃል ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝምለኹሉ ቦታ ከምዘሎ ምስ ሰምዐ ኩሎም መካውያን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምስጋድ ገዲፎም ንሓደ ኣምላኽ ክሰግዱን ክንዲ ናብ ካእባ እናኸዱ መፅበዓ ምግባር ናብ ሰንዓ መፂኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣብቲ ዝሃነፆ ቤተክርስቲያን ክመፃብዑ ትእዛዝ ሰደደሎም (እዚ ቅድሚ ነቢይ መሓመድ ምውላዶምን ምስልምና ቅድሚ ምምፅኡን እዩ)። ፍርቆም ተኣዚዞም ናብ ሰንዓ ኸዱ ፍርቆም ኻዓ ኣይንእዘዝን በሉ። ኣብራሃውን ናይጣኦት ኣምልኾ ከጥፍእ ካብ ኣፍሪካን ካብ ህንዲን ዝኣከቦም ሓራምዝ ሒዙ ናብ መካ ወፈረ። 

መካ ማለት ንህዝቢ ዓረብ ቅድሚ ኩሉ ሃይማኖት ዝነበረ ናይ ሃይማኖታዊ፣ ንግዳዊን፣ ፖለቲካዊን ማእኸሎም እዩ። ከምቲ ናይ ዓረብ ፅውፅዋይ ናይ ካእባ ኣማልኽት (ቅድሚ ምስልምና) ስለዝተቆጥዑ ሓዊ ዝድርብዩ ኣዕዋፍ ኣዝሚቶም ንኣብረሃን ሰረዊቱን ምስ ሓራምዞም ወድኡወን። ከምቲ ግምታዊ መረዳእታታት ቶም ኣዕራብ ነቲ ጥንታዊ ማእኸሎም ዝኾነ ካእባ ንዘይምስኣን ኩሎም ነገዳት ዓረብ ስለዝተሓባበሩ ነኣብረሃን ሰራዊቱን ምስ ሓራምዙ ሰዓሩዎም። ኮይኑ ግና እቲ ውግእ ብዙሕ ዕንወት ኣብ ካእባ ኣብፂሑ ሓለፈ። ድሕሪኡ ኩሎም ነገዳት ዓረብ ነቶም ናይ ኣብረሃ ነገድ ዝኾኑ ኣግኣዝያን ፣ ኣክሱማውያን (ተጋሩ) ቀንዲ ፀላኢኦም ከምዝኾኑ ንደቆም እናምሃሩ ፀንሑ። ድሕሪ ሞት ነብይ መሓመድ ምስልምና ምስተስፋሕፍሐ ዓዕራብ እቲ ሕነኦም ዝፈድዩሉ ዕድል ረኸቡ። 

ነብይ መሓመድ እቲ ኣብረሃ ክገብሮ ዝሓሰበ ናይ ካእባ ኣማልኽቲ ምጥፋእን ሓደ ኣምላኽ ምምላኽን ንሶምውን ዝኣምኑሉ ስለዝኾነ ነቶም ሰዓብቶም (ሰሓባ) ናብ ናይ ኣብረሃ ሃገር ዝኾነት ኣክሱም ሰዲዶምዎምኮይኑ ግና ድሕሪኦም ዝመፁ መራሕቲ ናይ ዓረብ ናይ ነብይ መሓመድ ኣስተምህሮት ክንዲምትግባር ነቲ ናይ ቐደም ሕነኦም ፈደዩ። ኣብምድሪ ኣግኣዝያን ካብ ሻምናይ ክፍለዘመን ስካብ ዓሰርተሓደ ክፍለዘመን ብዙሕ ጥፍኣት በፅሐ። መብዛሕትኦም ናይ ተሃጋርያን/ኣግኣዝያን ከተማታት ዑና ኾኑ። መነኮሳት ናብ ጎላጉል ገረዓልታ ተሓብኡ ኣወዳት ናብ ደቡብ ናብ ሸዋ ሃደሙ። ካብ ሻምናይ ክፍለዘመን ጀሚሩ ትግራዋይነትን ኣግዝያዊነትን እናሃሰሰ ኢትዮጵያዊነትን ኣምሓራይነትን እናጠንከረ ኸደ። እቶም ናብደቡብ ዝሃደሙ ተጋሩ ንይኩኖ ኣምላክ ሒዞም ብትውልዶም ዓሽራይ ትውልዲ ትግራዋይ ዝኾኑ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ሒዞም ካብ ኣገዋውያን መንዚዖም ሓዱሽ ኣክሱማዊ መንግስቲ መሥረቱ። ኮይኑ ግና ነቲ ኣክሱማዊ ምዕባለ ክመልስዎ ኣይከኣሉን።

ተጋሩ ነቲ ኣክሱማዊ ሃገር (civilization) ንምምላስ ብዙሕ ፀዓሩ ኮይኑ ግና እቲ ኢትዮጵያ ዝባሃል መንግስቲ ትሕቲኡ ዘለዉ ነገዳት ብዙሓት ስለዝኾኑን ዝሰመረ ራእይ ስለዘይብሎምን ነታ ምዕብልቲ ኣክሱማዊት ሃገር ንምምላስ ኣይተኽኣለን። ተጋሩ ነዛ ኢትዮጵያ ትባሃል ሃገር ክ”ግእዙ” (ፅኑዕ መሠረት ከትሕዙ) ዝኸፈልዎ መሥዋእትነት ህልቆ መሣፍርት የብሉን። ንኣብነት ግራኝ ኣሕመድ ናብ ሸዋ ክዘምት እንከሎ ኣብ ግምባር ዝገጠምዎ ሰብ ሸዋ ወይ ካልኦት ከይኾኑ ተጋሩ እዮም። 

ንምሳሌ ዶ/ር ላጲሶ ዴሌቦ “የኢትዮጵያ ረጅም የህዝብና የመንግስት ታሪክ” ኣብዝብል መፅሓፎም ዝፀሓፍዎ ንመልከት...

“ኢማም ኣሕመድ ከነሠራዊቱ ወደ ኣፄው ሰፈር በደረሰ ግዜ፣ ሠፈሩን ቢትወደድ ራስ ማህፀንተ፣ ኣውራይ ኡትማን (ዓፋረታይ)፣ የትግሬ ሹም ተክለ ኢየሱስና ፃሕፈላም ሮቤል የሚባሉ ኣምስት የትግሬ ሹማምንቶች ሆነው ይጠብቁት ነበር። .... በዚህ ጦርነት ኢማሙ በነዚህ ጀግኖች ተሸንፎ ሸሸ።... በዚህ ጊዜ የኣፄው ድል ኣድራጊ ጦር በሚሸሸው የግራኝ ኣሕመድ ጦር ላይ በክትትል የጥቃት እርምጃ ቢወስድ የኢማም ኣሕመድ ፍፃሜ ይሆን ነበር።

ኢማም ኣሕመድ ሠራዊቱን ኣደራጅቶ ተመልሶ በተዋጉበት የሽምብራ ኩሬ ጦርነት በኣፄ ልብነድንግል ኣመራር ጉድለትና በኢማሙ ከፍተኛ የውጊያ ብቃት ኣሸነፈ። በጦርነቱም ከኢማሙ ከ12500 መሃል 5000 ሲሞቱ 3000ዎቹ ደግሞ ሸሽተዋል። ከኣፄው ጦር መሪዎችና ኣዛዦች 211 ሲሞቱ ከእነዚህም 86 ትግሬዎች ነበሩ። በጦር ሜዳው የወደቁ የትግሬ ወታደሮች ቁጥር ደግሞ 10000 ነበር.. ”

 ድሕሪኡውን ኣብ መተማ ይኹን ኣብ ኩፊት፣ ዶግዓሊ፣ ኣብ ዓድዋ ይኹን ኣብ ኦጋዴን ናይተጋሩ መስዋእትነት ዝፍለጥ እዩ። ካብቲ ፖለቲካዊን ወትሃደራዊ ብዝበለፀ ነቲ ቀዲማዊ ምዕባሌ ንምምላስ ብኣባ ጤሞቴዎስ፣ ኣባ እስጢፋኖስን ሰዓብቶምን፣ ብዘርኣያዕቆብ፣ ብገብረሂወት ባይከዳኝ ዝተገበሩ ፃዕሪታት ንፈልጦ እዩ።

እቲ ተጋሩ ንገብሮ እዚ ኹሉ ፃዕሪ ልምንታይ ኣይሰለጠልናን ዝብል ሕቶ መልሲ የድልዮ እዩ። እቲ መልሲ ኣብቲ ኮሎኔል ቢኒያም ዝተበርሃሉ ስነልቦናዊ ውቕሮና ዝተፈላለየ ምዃን እዩ። ናይተጋሩ ስነልቦና ብናይ “ገኣዚነት” (standard/order setter), ተሃጋራይነት (civilized and civilizer) ዝግለፅ እንትኸውን ናይካልኦት መብዛሕቶም ነገዳት ባህሪ ብተመሓዳዳሪነት/ተገዛኢነት (Being subject) ዝግለፅ እዩ። ንምሳሌ ተመሓዳሪ (ተገዛኢ፣ subject) ዝኾነ ማሕበረሰብ ነቲ ገዛኢ ወዲቑ ክረኽቦ ከሎ የዋርዶ፣ ይቕጥቕጦ፣ ይቐትሎ። “ኣግኣዚ”፣ “ተሃጋራይ” (civilized) ዝኾነ ማሕበረሰብ ግና ወላ ንዝበደሎ ሰብ ብሕጊ ክፍረድ ይገብር እምበር ካሊእ ናይ ዓመፅን ኽፍኣትን ተግባራት ኣይፍፅምን። ነተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ሓዊስካ ኣብኩሉ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዝተርኣየውን ንሱ እዩ።

ስለዝኾነ ተጋሩ ናብቲ ቀዲማዊ፣ ኣግኣዚያዊ፣ ተሃጋራይ መንነትና ተመሊስና ነቲ ምግኣዝ ይኹን ምህጋር ከምብሓዲሽ ክንጅምሮ ይግባእ። ከምቲ ገብረሂወት ባይከዳኝ “ካብ ሕጊ ዘይብላ ዓባይ ሃገር ሕጊ ዘለዋ ንእሽተይ ከተማ ቁምነገር ትሰርሕ” ዝበሎ ኣንሕናውን ካብ ንእሽተይ ክንጅምር ይግባእ። ከም ኣቦታትና ከተማና ነጠንክር። መንነትና ንኾልዕ። ሕጊን ሥርዓትን ዘለዎ ህዝቢን መንግስቲን ንኹን። ኣብውሽጢ ኢትዮጵያ ይኹን ኤርትራ ዝነብሩ ህዝቢ ካብ ዘለዉዎ ድኽነት ክድሕኑን ክምዕብሉን ዝኽእሉ እቲ ናይ “ምህጋር” (civilize) ይኹን “ምግኣዝ” (create order, standard) ስነልቦና ዘለዎ ህዝቢ እንተጠንኪሩን ዓብሊሉን እዩ።

 ኢትዮጵያዊነት ይኹን ኤርትራዊነት ፖለቲካዊ ሓሳባት እምበር ቀዲማዊ መንነትና ኣይኮኑን። ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ነታ ኢትዮጵያ ትባሃል ፖለቲካዊ ሓሳብ ብዙሕ ከፊልናላ ኢና። ኤርትራውያን ተጋሩውን ነቲ ኤርትራዊ ዝባሃል ፖለቲካዊ መንነት ብዙሕ ኸፊሎም እዮም። ኮይኑ ግና ኣብ ፅኑዕ መሠረት ዘይንደቕ ፖለቲካዊ መንነት ከምቲ ንሪኦ ብርቱዕ ንፋስ ምስነፈሰሉ ምፍራሱ ኣይተርፍን። ፅኑዕ መሠረት ዝንደቕ ኣብላዕሊ ዝርኣይ ዋልካ መሬት ኲዒትካ ገሊህካ ኣብቲ ድልዱል ዓለት ምስበፃሕካ እዩ። ኢትዮጵያዊነትን ኤርትራዊነትን ከምቲ ዋልካ መሬት ኣብላዕሊ ዝተፅዓኑ መንነታት እዮም። እቲ ውሽጣዊ መንነትና ትግራዋይነት፣ ኣግኣዚነት፣ ሰብኣዊነት እዩ።

መርሥኤ ኪዳን
mersea.kidan@gmail.com

No comments: