Sunday 15 December 2019

ሰልፊ ፌዴራላዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ልዕልነት ናብ ዝጭብጥሉ ሕጋዊ መድረክ ይሰጋገሩ ኣለዉ

ብልሳነወርቅ ሓዱሽ  

ንኢህወደግ ዘፍረሰ ብልፅግና ዝብል ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣህመድ ፓርቲ ካብ ዝሕሰብ ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዘ ምዕባለ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኢትዮጵያ ህፁፅ ምቅይይራት እናርኣየ ጉዕዞ ቐፂሉ ኣሎ። እቲ ምቅይያራት በቲ ሐደ ገፅ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ኣሃዳውያንን ሰልፊ ፌዴራላውያንን ዘሎ ንሕንሕ እንትንፅር በቲ ካልእ ወገን ድማ ምህማም ኣናእሽቲ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት፥ ግንባራትን ጉጅለታትን ክስዕቦ ይረኣ ኣሎ።  ኣብ መእተዊ እዚ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኣብ መቐለ ርእሰ ኸተማ ትግራይ ብህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ብኦሮሞ ነፃነት ግንባር (ኦነግ) ዝተሳለጡ ምቅርራባትን ውዕልን መርኣያን መግለፂን ምትዕርራይ ሰልፊ ፌዴራላዊ ሓይልታት ክባሃል ይክእል እዩ።
      ህወሓት ነቲ ኣብዞም ዝሓለፉ 27 ናይ ሰልጣን ዓመታት ፌዴራሊዝም ኣብ ምድኻም ዝነበሮ ጌጋታት ሓደ ሓቂ ኾይኑ ብመሰረቱ ግን ካብቶም ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ክህሉ ዝቃለሱ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሓይልታት ሓደ እዩ። ምስ ምፍራስ ኢህወደግ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓጓፍ ወይ (shock) ከም ግዝያዊ ወሲድካ ሕዚ ምስቶም ዓበይቲ ተባሂሎም ዝቀራረቡ ዘለዉ ክልተ ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ሰልፍታት ኣይተሰርዐን ዘሎ። 

ኦነግ (OLF): ንፁር ቅዋም ኣብ መሰል ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላሊዝም ብተፈጥሮኡ ይቅበልን ይኣምንን እዩ፡ ክደራደር ኣይክእልን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኦነግ (OLF) 10 ናይ ፖለቲካ ግንባራት ማለት (ሶማለ፥ዓፋር፥ቢኒሻንጉል፥ ጋምቢላ፥ ሲዳማ፥ ቅማንት፥ ኣገውን ካልኦት ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰለስተ) ግንባራት ዝጠቅለለ ጥምረት ኣሳሊጡ ኣሎ።  እዚ ጥምረት ንቅድሚት ዝሓቁፎም ሰልፍታትን፡ ኣብ መትከላት ዲሞክራሲ ዝህልዎ ኣንፈትን ንቅድሚት ኣብ ቀረባ ዝረኣ ኾይኑ ፌዴራሊዝም ውሑስ ኣብ ምግባር ግን ወሳኒ ስግግር ፈፂሙ ከምዘሎ ግልፂ እዩ።
    እዚ ሓይሊ ንቲ 180 ግዙፍ ናይ ኦሮሞ ፓርላማዊ ድምፂ ተወከልቲ ክጥቅልል እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ እዩ። እቲ ዝገርም ግን በቲ ሕዚ ኣሪእዎ ዘሎ ናይ ሰልፊ ኣንፈት ኣምሓራ ተባሂሉ ተሰሪዑ ዘሎ ክልል ውን ሰዒሩ ወይ ተፋሪቁ ክወፅእ ዘክእሎ ማሓዉር ኣመዓራርዩ ከምዘሎ እዩ ዘርኢ ዘሎ። ካብ ኦሮምያ ቐፂሉ 138 ድምፂ ተወከልቲ ዘለዎ ክልል ሰለስተ (3) ኣምሓራ ይባሃል እምበር ኣብዝ ክልል ዝነብር ህዝቢ ኣምሓራ ምዃኑን ዘይምዃኑን በቲ ሕዚ እናተነፀረ ዝጓዓዝ ዘሎ ናይ ሰልፍታት ምሽግሻግ ትክክለኛ መንነት ክልል ሰለሰተ ምፍላጡ ኣይተርፎን። እቶም ህዝበ ህልቂት (genocide) ዝግበረሎም ዘሎ ህዝቢታት ከም ቅማንት ዝኣምሰሉን ካልኦትን ተደሚሮም ይኹን ብግሊ ከምቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝረኣ ዘሎ ምፍጣር ሓደሽቲ ክልላት ናይ ክልል ሰለስተ ዕድል እውን ርሑቅ ኣብ ዘይበሃል ግዜ ክውስንዎ እዮም ኢልካ ምግማት ይከኣል እዩ። 
   መድረኽ፡ እቲ ካልኣይ ፌዴራላዊ ሓይሊ፡ ፖለቲካዊ ማሓውሩ ትግራይ ሓዊሱ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ደቡብን ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ሩፍታ ብምርኣይ በዓል ሰፊሕ ተሞክሮ እዩ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብዙሓት ውድባት ኣብ ውሽጡ ዝጠመረ መድረኽ ዝባሃል ሰልፊ እዩ። መድረኽ ልዑል ተሰማዕነት ብቃልሲ ዘጥረዩ ውልቀ መራሕቲ ከም ፕሮፌሰራት መረራ ጎዲናን፡ በየነ ጵጥሮሰን፡ ኣቶ በቀለ ገርባን ካልኦትን ዝሓዘ ብተወሰነ መልክዕ ውን ካብቶም ካልኦት ብዝሓሸ ናብ ዲሞክራሲ ዝቀረበን ኣብ ፖለቲካዊ ዝምድናታቱ ማእኸላይ ፖለቲካዊ ኣታሓሳስባ (ለዘብተኛ) ክኸውን ትፅቢት ዝግበረሉ ሕብረ ብሄራዊ ፌዴላራዊ ሰልፊ እዩ። መድረኽ ኣብ ደቡብ ክልል ዘሎ 123 ድምፂ ተወከልቲ ኣብ ምልዓልን ኣብ ክልል ኦሮምያ ኦነግ ከልዕሎ ዘይከኣለ ኣብ ከም ሸዋ ዝበሉ ዞባታት ሓዊሱ ጠንካራ ተናሓናሒ ከምዝኽውን ምግማቱ ከቢድ ኣይኸውንን። 

 

ቪድዮ ብ "አክሱም ፖስት" (Aksum Post ) ዝተወሰከ

    ኣሃዳውያን
  ኣሃዳውያን ካብ ቀፅሮም ንላዕሊ ድምፆም ካብ ጭቡጥ ሰልፎም ንላዕሊ ድማ ሓድነቶምን ኣብ ውዲት ዝተመስረተ ዲፕሎማሲያዊ ክእለቶምን እዩ ዝዓቢ። ካብዚ ወፃኢ ኢዜማ ይኹን ገና ተወዳዳሪ ሰልፊ ምኻኑ ዘየፍለጠ ኣዲስ ኣበባ ዝመረቤቱ ባላደራ ኣበየናይ ክፋል ናይ ኢትዮጵያ ብፈረቃ ይኹን ብምጥቅላል (landslide) ብዘይካ ኣዲስ ኣበባ ተወዳዲሩ ክስዕር መደብ ከምዘለዎ ብንፁር ዝፍለጥ የለን። ኢዜማ ብደገፍ ባላደራ ይኹን ባዕሉ 23 ድምፂ ተወከልቲ ኣብ ዘለዋ ኣዲስ ኣበባ ወሳኒ ሓይሊ ከምዝኸውን ምግማት ይከኣል እዩ። እቲ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ናይ ህዝብታት ኣብ ሞንጎ መንነትን ዜግነትን ዝፀንሐ ኣረዳድኣ ብዓይነቱ ስለዝተቐየረ ኣብ ክልል ስለስተ ከምቲ ናይ ቅንጅት ዘመን ክኸውን ዘይሐሰብ እዩ። እቲ ንኣሃዳውያን ዝኸውን ማሕበራውን ፖለቲካውን መሰረት ኣብ ኩሎም ክልላት ስለዘየለ እቲ ዝቐለለ ክባሃል ዝኽእል ኣሃዳውያን ብምጥቅላል (landslide) ክሰዓሩ እዮም ምባል እዩ ዝቐለለ ዝኽውን።
     ኾይኑ ግን ፌዴራላውያን ሰልፍታት ካብቲ ብቀሊሉ ክስዕርዎን ክረክብዎን ዝክእሉ ቃልሲ ንላዕሊ ክገጥሞም ዝኽእል ዝለዓለ ፈተና ኣብ ውፅኢት እቲ መረፃ ክረኣ ወይ ክገጥም ዝግመት ሓደጋ እዩ። ኣሃዳውያን ኣብ ነዊሕ ዘበን ዝሃነፅዎ መርበብ ሓበሬታ፥ ዘለዎም ናይ ሚዲያ ተክእሎ፥ ተሞኩሮ ውዲትን ከፋፋላይ ተግባርን ካብ ናይ ወፃኢ መንግስታት ኢድ ኣእታውነት ክሻዕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጠላሊፉ ክኣቱ ዝኽእል መርበብ ምሰራሕ ኣብ ታሪኽን ፖለቲካዊ ሂወትን ኣሃዳውያን ከም ቅርስን ውርስን ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ ሃፍትን ርግማንን እዩ። ንዚ ኣብ ምግባር ኣብ ሞንጎ ፌዴራላውያንን ኣሃዳውያንን ከም መሳርሒ ከግልግል ዝክእል ብልፅግና ዝብሃል ናይ ቤተ መንግስቲ ፓርቲ ምህላዉ እዩ።
   ብልፅግና ከም ተወላዋሊ ሰልፊ
   ብልፅግና ብፕሮግራም ደረጃ ኣብ መሰል ብሄር ብሄረሰባት መሰረት ዝገበረ ፌዴራላዊ ስርዓት ዝኽተል እዩ ዝመስል። ኣሰላልፍኡን ውግንንኡን ግን ንኣሃዳውያን ከምዝቀርብ ዝተኸተሎም ኣካይዳታት የረጋግፁ እዮም። ሕጋውነቱ ዝምልከት ንሰብ ሕጊ ገዲፍና ኣፈጣጥርኡ ንኢህወደግ ብምጥፋእን ንህወሓት ብምግላልን ኣጋር ዝባሃሉ ዝነበሩ ናይ ዓፋር ፥ ቢንሻንጉል፥ ሶማሊያ፥ ጋምቤላን ሃራሬን ግንባራት ብምጭፍላቅ ናብ ውህደት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዝተሰጋገረ ፓርቲ እዩ። እዚ ሓዱሽ ፓርቲ እዩ እዃ እንተዘይተባህለ ኢህወዴግ ዝምራሓሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሰነ-ሓሳብ ወያናይ ዲሞክራሲ ብመደመር ዝተከኣ፥ ኣብ መሰል ርእሰ ወሳነ ብሄረሰባት መሰረት ዝገበረ ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓት ዘለዎ ተግባራዊ መርገፂ ብሓይልታት ፌዲራሊዝም ብከቢድ ዝውቀስን ዝኽሰስን ዘሎ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ካብ ምስ ሰልፊ ፌዴራላውያን ምስ ኣሃዳውያን ዘለዎ ዝምድና ዝጠበቀ ምዃኑ እናተቃልዐ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን መሰረት ናብ ዘይብሉ ደረጃ ወሪዱ ኣሎ።
     ብልፅግና ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ እዩ። መራሒኡ ቀዳማይ ሚ/ር ኣብይ ኣህመድ ናይ ኦሮሞ ዲሞክራሲያ ፓርቲ (ኦዲፒ) ኣቦወንበር ምዃኑ እዩ ክሻዕ እዚ ቀረባ ዝፍለጥ ኔሩ። ኦዲፒ ጠፊኡ ብብልፅግና ፓርቲ ምስተተክኣ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ሓፂር ግዜ ናይ ኦሮሞ ፌዴራሊስት ሓይልታትን ሙሁራትን ብጣምራ ብዝገበርዎ ወፍሪ ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ሰልፊ ፌደራላዊ ስርርዕ ክኣቱ ዘይክእል ሓደገኛ ፀረ ዲሞክራሲ ሓይሊ እዩ ኢሎም ብምቅላዕ ነቲ ኣብ ኦሮምያ ዝነበሮ ተሰማዕነት ክሃምም ኣብ ልዕሊ ምግባሮም ኣብ ውሽጢ ኾይኑ ነቲ ንኢህወዲግ ዝሓቆነ ለውጢ ኣብ ምምራሕ ዓብይ ተራ ዝተፃወተ ለማ መገርሳ ናይዚ ሰልፊ እዚ ተቃዋሚ ብምዃኑ ዚያዳ ኣብ ኦሮምያ  ዝነበሮ ማሕበራዊ መሰረት ክንቀል ገይርዎ እዩ።
  ኣብ ክልል ሰለስተ ኣምሓራ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ኣዲፓ) ወይ ናይ ቐደም ስሙ ብኣዲን ንባዕሉ ኣጥፊኡ ናብ ብልፅግና ፓርቲ ዝሰመጠ ኾይኑ ኣሎ። እዚ ሓዱሽ ኣሰላልፋ ምስቲ ሕዚ እናተቐያየረ ዝምዕብል ዘሎ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢታት ኣብ መንነት ምፅራይ ዝተመስረተ ግጥማት ንክልል ሰለስተ (ኣምሓራ) ዚያዳ ፍሉይ ቦታ ኣብቲ ቀፂሉ ዝረኣ ናይ ሰልፍታት ንሕንሕ ክህልዋ ዝግመት እናኾነ ይመፅእ ኣሎ። ናይ ኦሮሞ ሙሁራትን ውድባትን ዳርጋ ብዝተማእኸለ ወፍሪ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ብምስባር እቲ ኽልል ናይ ብዙሓት ብሄረሰባት ብፍላይ ናይ ህዝቢታት ቅማንት፡ ኣገውን ኦሮሞን ምበር ኣምሓራ ዝባሃል ብሄር ወይ ህዝቢ ካብ ኣምሓርኛ ምዝራብ ሓሊፉ ክምዘየለ ናብቲ ፕሮፌሰር መስፍን ወልድማርያም ኣምሓራ ዝባሃል ብሄር የለን ዝብል ብ2017 ዘውፀኦ ስታቲስቲክስ እናረጋገፁ ብዙሕ ተጓዒዞም። 
     ናይቲ ኽልል መንግስቲ ፋኖን ፍሉይ ሓይልን ብምስላፍ ንህዝቢ ቅማንት ንምብርካኽ ዝወሰዶ ተደጋጋሚ ወፍሪ ክሰልጦ ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ቅማንት ህዝቢ ሓድነትን ልዕልነትን ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ከረጋግፅ ዝከኣለሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ። እዚን ካልኦት ንቲ ክልል ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዝገብሩ ውሽጣዊ ቅልውላው ዘስተውዐለ ቀ/ሚ ኣብይ ኣህመድ ብወገኑ ናይ ባዕሉ ፅልዋ ብዝፈጥር መንገዲ ብሓይልታት ምክልኻል ኣቢሉ ንቲ ኽልል ኣብ ቁፅፅሩ ጌርዎ ኣሎ።  እዚ ዘርኢ ሓደ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ኽልል ዝግበር ፖለቲካዊ ንሕንሕ ኣብ ሞንጎ ብናይ ኦሮሞ ሙሁራትን ብሄረተኛታትን ልዑል ደገፍን ሓበሬታን ዝምራሕ ዘሎ ውድብ ኦነግን ናይ ቀ/ሚ ኣብይ ኣህመድ ብልፅግና ፓርትን እዩ።  ኣብቲ ንመረፃ ዝግበር ንሕንሕ ናይ ኣምሓራ ውድብ እየ ተቐበሉኒ ዝብል ዘሎ ኣማራ ብሄራዊ ንቅናቄ (ኣብን) ኣበየናይ ሰልፊ እንታይ ረብሓ ከምዘምፅእ ንባዕሉ ዝፈልጦ ነገር ዘሎ ኣይመስልን። ናይ ኣምሓራ ፖለቲካዊ ሰልፊ እየ ኢሉ ከስልፎ ዝክእል ህዝቢ ክህሉ ከምዘይኽእል እዩ ዝግመት።
   ብምጥቅላል ሰልፊ ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ኣሃዳውያን በቲ ሕዚ ብጭቡጥ ዝረኣ ዘሎ ኣሰላልፋ ብምጥቅላል (landslide) ክስዕሩ ትፅቢት ዝግበር እንትኸውን ቀ/ሚ/ር ኣብይ ኣህመድ ዝመርሖ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ሞንጎ ኣሃዳውያንን ሕብረ ብሄራዊ ሬዴራል ሰልፍታትን ስራሓቲ ዕልበጣን ውዲትን ክሰርሕ እዩ ተባሂሉ ክግመት ዝክእል ሓይሊ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ። ኣብ ስልጣን ምህላዉ ድማ ዚያዳ ሓደገኛ ክገብሮ እዩ። እቲ ዝግበር መረፃ እንተተሰሊቡ ኪናት ሕድሕድ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዉ ኣይተርፍን።
ህወሓት፡ ፖለቲካ ሰልፍታትን፡ ህዝቢ ትግራይን
   ናይ ትማሊ ገዲፍና ሕዚ ህወሓት ኣብቶም ብኢትዮጵያ ደረጃ ዝግበሩ ዘለዉ ስርርዕ ሰልፍታት የለን። ድኽመቱን ናይ ፖለቲካ ድርቅንኡን ንጎድኒ ገዲፍና ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ብሄር ብሄረ ሰባት መሰረት ዝገበረ ሕገ መንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ኣብ ምፍጣር ቁልፊን ወሳኒን ተራ ዝተፃወተ ሓይሊ እዩ። ኣብ ዲሞክራሲ ብፍላይ ኣብ መዳይ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ምኽባር ዘለዎ ዘይቅቡል ተግባር ኣሪሙን ኣስተኻኺሉን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሰልፊ ፌዴራላዊ ሓይልታት ኣድማዒ ተራ ክፃወት ይኽእል እዩ። 
    ቅድሚ ዝኾነ ነገር ህወሓት ኣብቲ ሕዚ ዘለዎ ወድዓዊ ኩነታት ኮይኑ ነዊሕ ግዜ ክነብር ከምዘይክእል ዝተገንዘበ መሪሕነት ክህልዎ ዝግባእ እዩ።  ብዝኮነ መመዘኒ ድማ ከም ቅድመ ኩነት ኣቅሚጡ ብጥንቃቐ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ምእንተ ፖለቲካዊ ህልውንኡን እግረ መንገዱ ድማ ምእንተ ድሕንነትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ቁልፊ ነጥብታት ተፈፃምነት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትግራይን ዓለምን ክህልዎም ክገብር ኣለዎ።
1.   ብሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ መሰረት ሰብኣዊን ዲሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ፍፁም ዲሞክራስያዊ መትከላት ተመስሪቱ ከኽብር፥ ምስ ኩሎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ሰልፍታት ብማዓረ ክዝቲ፥ ስምምዓትን ውዕላትን፡ እናገበረ ሰልታዊ ይኹን ስትራተጂያዊ ናይ ሓባር ግንባርን መድረኽን ክፈጥር ዘክእሎ ፖለቲካዊ ባህሪ ብምሓዝ ኣብዚ ፈታኒ መድረኽ ተርኡ ክፃወት ይግባእ። ኣብ ክንዲ እከለ ባንዳ፡ ፀላኢ ምባል ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብምኽባር ኣብ መስርዕ ክኣቱ ግድን እዩ። 
2.   ናይ መንግስቲን ገዛኢ ውድብን ማሓውር ሓዋዊሰካ ሰናይ ምምሕዳር ከይህሉ ዝገብሩ ዘይሕጋዊን ዘይዲሞክራሲያዊን ተግባራት ብግልፅን ኢፋን ጠጠው ብምባል ህዝቢ ፍትሓዊ ኣገልግሎት ክረክብ ምግባር።
3.   ኣብ ትሕቲ ማሓውር ውድብ ህወሓት ተጠርኒፎም ነፃ ማሕበራዊ ህልውና ስኢኖም ዘለው፡ ማሕበራት፡ መናእሰይ፥ ደቀንስትዮ፥ ሓረስቶት፥ ትካላት ዩኒቪርስቲን ካልኦት ማሕበራዊ ትካላትን መንግስቲ ይኹን ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ህዝቢ ብማሓውሩ ጌሩ ክቆፃፀር ሕጋዊን ዲሞክራስያውን ስለዝይኮነ ካብዚ ተግባር ብምልቃቅ ብነፃ ውድድር ዝኣምን ነፃ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ክኸውን ኣለዎ።
4.   ናይ ሕጊ ልዕልነት ንባዕሉ ከኽብርን ከኽበር ክገብርን ኣለዎ። ሕጊ ዝኽበረሉን ዝፍፀመሉን ትካላት (ኣብያተ ፍርዲ፡ ፖሊስ) ኢዱ ብምልዓል ስርዓት ዳኝነት ነፃን ገለልተኛን ብብቅዓት ዝምራሕን ኩሉ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማዓረ ምኻኑ ዘረጋግፅ ጭቡጥ ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።  
እዚ ብምግባር ገዛኢ ውድብ ህወሓት ንባዕሉ ዓቂቡ ንህዝቢ ትግራይ ዝረብሕ ስራሓቲ ኣብዚ እንኣትዎ ዘለና መድረኽ ናይ ምፍፃም ዓቅሚ ከጥሪ ይኽእል እዩ። ካብዚ ወፃኢ በቲ ልሙድ ኣካይዳ ምቅፃል ከምፅኦ ዝኽእል ጣጣ ቀሊል ክኽውን ከምዘይክእል እዩ ክግመት ዘለዎ።
   ተናሓናሕቲ ሰልፍታት ትግራይ
  ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት፡ ዓረና፡ ትዲፓ (ታንድ)፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቃወምቲ ኾይኖም ዓረና ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ታንድ (ትዲፓ) ድማ ኣብ ወፃእ ፀኒሖም እዮም። ናይ ፖለቲካዊ ፕሮግራሞም ተመሳሳሊ ስለዝኮነ ናብ ሓድነት ክጠቃለሉ ስምምዕ ጌሮም ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ሰልፊ ብፍላይ ዓረና ብዘጥረዮ መሪር ተሞክሮ ናብ ዲሞክራሲ ዝቀረበ ኣተሓሳስባ ከምዘለዎ እዩ ዝግመት። ዝኽተሎ ፍልስፍና (መስመር) ብዘየግስ ኣብ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ንባህግታትን ብሄራዊ ክብሪን ህዝቢ ትግራይ ዝውሕስ ተግባር ከምዘለዎን ብኡ ከምዝኣምንን ከርድእ ክኽእል ኣለዎ። ናይ ኢትዮጵያ ፍሉይ ጠበቓ እዩ ክኸውን ዝደሊ ኣሃዳዊ እዩ ዝብሉ ኣብ መንእሰይ ትግራይ ዘለው ስምዒታት ሓሶት እንተኾይኖም ብተግባር ኣብ ትግራይ ሰጢሙ ምስ ህዝቡ ብምስራሕ ከፍሽልን ተኣማንነቱ ውሑስ ክገብርን ትፅቢት ዝግበረሉ ሰልፊ እዩ። 

ብካሊእ ገፅ ዓረና ኣብ መስርሕ ዘሎ ዝፈጥሮ ውህደት ምስ ትዲፓ (ታንድ) ዘነኣድ ኣብነት ኾይኑ መብዛሕትኡ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ሰልፊ ኣለና ደኣ ይበሉ ምበር ብውልቀ ሰባት እናተመወሉ መሳርሒ ናይ ውልቀ መለኽቲ እዮም። ኣብ ታንድ ናይ ሕዚ ትዲፓ ካብ ውሽጢ ኣመራርሓ ኣባላቱ እንተስ ብሓሶት ወይ ብኽውንነት ፅቡቅ ሽም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘየብሎም ውልቀ ሰባት ክህልዉ እዮም፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ውን ሓደገኛ መርገፂ ዘለዎ ሰብ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ ዲሞክራሲ ውን ፅቡቅ ትዕዝብቲን ክትትልን ዘድልዮ ናይ መላኽን መጥቅዕን ዝንባለ ዝሓየሎ ዝንባለ ከይህሉ ዓረና ብግቡእ ክግንዘብ ኣለዎ። ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ናይ ፖለቲካ ትካላትና ካብቲ ሕሉፍ ናይ ህወሓት ውልቀ መላኺነት ዘይምዕሩይ ስነ-ምግባራት ተማሂሩ ነፃ ምዃን ከድሊ እዩ።
    ሳልሳይ ወያነን ባይቶናን፡ ክልቲኦም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተመስረቱ ሰልፍታት እዮም። ንቅድሚት ኣብ ትግራይ ክህልዎም ዝኽእል ፖለቲካዊ ባይታ ብቀሊሉ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ይኹን ምበር ቅድሚ ኹሉ ንፖለቲካዊ ትካል ክባሃል ዘለዎ ቁልፊ ነጥቢ ኣሎ። ናይ ህዝቢ ፖለቲካዊ ትካል ክኽውን ብናይ ባዕሉ ኣባላት ነፃ ተበግሶ፡ ወድዓዊ ጭቡጥ ኩነታት ኣገዲድዎ ናይቲ ሕብረተሰብ ሕቶ ክምልስ ዝተፈጠረ እንተደኣ ኾይኑ እዩ። እዚ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ዘልዕሎ ዘለኹ፡ ባይቶና ንዓረና ብምፍራስ ወይ ብምድካም ናይ ህወሓት ተለጣፊ (contingent) ሓይሊ ኾይኑ ከግልግል ብናይ ህወሓት ውሽጣዊ ውዲትን ሓይሊ ንዋትን ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ነፃነት ከይህሉ ክዕፍን ዝተፈጠረ መቐፀልታ ናይቲ ፀረ ዲሞክራሲ ተግባር እዩ ዝብል ጭምጭምታ ናይ ዳርጋ ኹሉ ፖለቲካዊ ሊህቅ ትግራዋይ ኣባሃህላ እናኾነ መፂኡ ኣሎ። እዚ ሓቂ እንተኾይኑ ብሕጊ ውን ዘጥይቅ ወንጀል እዩ። ከምኡ ዝበለ ታሪኽ እንተዘይሃልዩ ድማ ነዚ ወረ ሓሶት ምኻኑ እቲ ዝኽሰስ ዘሎ ሓይሊ ባይቶና ጉቡእ መልሲ ክህበሉ ኣለዎ። 
    ካብዚ ወፃኢ ኣብ ቀረባ ካልኦት ክልተ ሰልፍታት ኣብ ትግራይ ተመስሪቶም ናብ መድረኽ ይመፁ ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣሎ። እዚ በዝሒ ናይ ሰልፍታት ኣብ ስግግርን ምክፋትን በሪ ናይ ዲሞክራሲ ክረኣ ዝክእል ተርእዮ እዩ። እቲ በዝሒ ግዚኡ ሓልዩ ናብ ውህደት ወይ ጥምረት ምቅያሩ ኣይተርፎን። እዚ ኩነታት ንትግራይ ፍሉይ ኣቃልቦ ዘድልዮ ብጥንቃቐን ብቅዓትን ክምራሕ ዝግበኦ ናብ ዲሞክራሲ መሰጋገሪን መምሃሪን መድረኽ እዩ።
 ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብዚ ሕዚ ዘሎ መድረኽ ስግግር ኣብ ባዕሉን ኸባቢኡን ወሳኒ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ለውጢ ከመዝግብ እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ህዝቢ እዩ። እዚ ንምግባር ዘክእሎ፡ ባህላዊን ሰነ-ልቦናዊን ሓድነት፥ ማሕበረ-ሰባዊን ታሪዃውን ውሁድነትን፡ ተደሚሩ ድማ ብሄራዊ ሉኡላዊነት ውሑስ ዝገበረ ህዝቢ ብምዃኑ ብሕግን ብቅዓትን እንተተመሪሑ ኣብ ሓፂር ግዜ ኣገራሚ ለውጢ ከምዝግብ ከምዝክእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ መቐፀልታ ዘይኮነስ ናይ ኩሎም ሰልፍታት ኣዛዝን ሽመት ዝህብን ዝኸልእን በዓል ሙልእ ስልጣን እዩ። ነቶም ሕዚ ዝዕምብቡ ዘለዉ ሰልፍታት ፖለቲካ ናይ ምህናፅ፥ ምሕያልን ምግራሕን ፍፁም ሓላፍነት ኣለዎ። ንኹሎም ድማ ብማዓረ ብምርኣይ ብጭቡጥ ተግባሮምን ሓሳቦምን እናመዘነ ብሓቐኛ መረፃ እናዋዳደረ ብምምራፅ ንዕብየቱ ክጥቀመሎም ኣለዎ።  
    ንዚ ሰፊሕ ዕዮ ንምምራሕ ምስቲ ሓደ ወይ ካሊእ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ብምውጋን ዝፍፀም ኣይኮነን። ብናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ፀፋዕፋዕ ኣቢልካ ዝስራሕ ውን ኣይኮነን። እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ካብ ንሕንሕ ናይ ፖለቲካ ሰልፊን ስነ-ሓሳብን ንባዕሉ ዘግለለ ዲሞክራሲ፥ ናይ ሕጊ ልዕልነትን ፍትሕን ምህናፅ ማእኸል ተልእኹኡ ጌሩ ምስ ዝሰርሕ ሲቪል ማሕበረ ሰብ ኣቢሉ እዩ ናይ ስልጣን በዓል ዋናነቱ ከረጋግፅ ዝኽእል። ሕዚ ሓደ ነፃነቱ ብጥንክር ዘበለ ቃልሲ እናዓቀበ፡ ኣብ መትከላት ሲቪል ማሕበረ ሰብ ተመስሪቱ ኣብ ትግራይ ሰፋሕቲ መደባት ቀሪፁ ኣድማዕቲ ሰራሕቲ ዘሳልጥ ዘሎ ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረ ሰብ ትግራይ ጥራሕ እዩ። 
   እዚ ሲቪል ማሕበረ ሰብ (ሰብ-ሕድሪ) ኣብ ትግራይ ብወገን ህዝቢ ኾይኑ ንዲሞክራሲ፡ ልዕልነት ሕግን ፍትሕን ኣብ ዝገብሮ ርብርብ ፍሉይ ቦታ ክህልዎ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ሲቪል ማሕበር ብሰብኣዊን ንዋታውን ዓቅሙ ብምጉልባት መሳርሒ ናይ ፖለቲካን መንግስቲን ከይኸውን እናተኸላኸለ ካልኦት ተመሳሳሊ ነፃ ሲቪል ማሕበራት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ትግራይ ክምስረቱ እናተባብዐ ትግራይ ብትካላት እትግለፅ በዓልቲ ውሑስ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምዃና ከረጋግፅ ክኽእል ኣለዎ።  ምህናፅ ዲሞክራሲ ሃፍታም ምዃን ዝሓትት ኣይኮነን፥ ናይ ኢኮኖሚ ምዕባለ ኣብ ምቅልጣፍ ግን ዓብይ ተራ ኣለዎ።  


(ምንጪ : ዓይጋ ፎረም )


No comments: