Sunday 5 January 2020

መግለፂ ቅዋም ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት


ኣብ ታሪኽ ውድብና ንፈለማ ግዜ ካብ ታሕሳስ 25 ክሳብ 26 /2012 ዓ/ም ንተኸታታሊ ክልተ ማዓልቲ ''ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን '' ብዝብል መሪሕ ቃል ዘካየድናዮ ታሪኻዊ ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ከምቶም ሕሉፋት ጉባኤታትና ህፁፅ ጉባኤና ‘ውን ንህልው መድረኽ ብዝግባእ ገምጊሙ ቀፃሊ ናይ ቃልሲ ኣንፈታት ብምንፃር ኣብ ፍፁም ናይ ቃልሲ ፅንዓትን ሓቦን ዝተመስረተ ዕውት ጉባኤ ኣካይድና ኣለና።


ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንህልው ኩነታት መበገሲ ገይሩ ዝፀወዖ ህፁፅ ጉባኤ ጉቡእን እዋናውን ምካኑ እቲ ጉባኤተኛ ብሙሉእ ድምፂ ኣረጋጊፅዎ እዩ። ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ሃገርና ካብ ቁልቁለት ጉዕዞ ዓጊቱ ናብ ለውጥን ምዕባለን ዘእተወ መስመርን ስርዓትን ብዕሊ ክፈርስ ኣብ ዝግበረሉ፣ ብናይ ህዝብታት ቃልስን መስዋእትን ዝተሃነፀ ሕገ-መንግስታውን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን ብፀሓይ ቀትሪ እናተሓግሓገ፣ እናፈረሰ ናብቲ ሕሱም ባርነትን ወፅዓን ዝመልስ ኩለመዳይ ርብርብ ኣብ ዝግበረሉ፣ ነቲ ንተከታታሊ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኩለመዳያዊ ኣንፀባራቂ ልምዓት ብምምፃእን ኣብ ኣፍሪካ ወሓስ ሰላም ብምዃንን ምስሊ ሃገርና ዝቐየረ ኢህወዴግ ካብ ስርዓትን ኣሰራርሓን ወፃእ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክፈርስ ብምግባር ሓዱሽ ፓርቲ ክምስረት ተገይሩ ኣሎ።



ንሕና ፀኒዕና ንዝሓዝናዮ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን መስመር ክነቕፅልን በቢ ግዚኡ ንዘጋጥሙና ፈተነታት እናፈታሕናን እናተሃደስናን ዘይተሓለለ ቃልሲ ኣብ ነካይደሉ ንሶም ግን ነዚ መስመርን እዚ መስመር ሒዙ ብፅንዓት ዝምርሽ ዝነበረ ኢህወዴግ ብምፍራስ ናይዛ ሃገር ፀገማትን ጭቡጥ ኩነታትን ኪሒዶም ሓድሽ ዝተዓደገ ፅግዕተኛ ፓርቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክምስረት ገይሮም እዮም። ብሓባር ኮይና ኢህወዴግ ኣብ ምምስራትን ኣብ ምጥንኻርን ዝነበሩ ውድባት መስመር ጠሊሞም ናብ ካሊእ ደንበ ፅግዕተኛ ተሰጋጊሮም ኣለው። እቲ ጥልመት ነቲ መስመርን ዕላማን ጥራሕ ኣይኮነን። ነቲ ነዐኦም ኣሚኑ፣ ዕላማ ኢህወዴግ ተቐቢሉ ስልጣን ክሕዙ ዝፈቐደሎም ህዝቢ ‘ውን ‘ዮም ታሪኽ ዘይርስዖ ጥልመት ፈፂሞም ዘለው።

ቀዋም ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት (ቪደዎ ) 


ስለ ዝኮነ እውን ህወሓት ኣብ መትከልን ኣሰራርሓን ተመስሪቱ ፅኑዕ ቁዋም ሒዙ ነቲ ናይ ጥልመት ከይዲ ብፅንዓት እናተቓለሰ ዝፀንሐ። ውድብና ክሳብ ሕዚ እናካየዶ ዝፀንሐ ቃልስን ምስ ምፍራስ ኢህወዴግን ምምስራት ሓድሽ ፅግዕተኛ ፓርትን ተዛሚዱ ስራሕ ፈፃሚት ይኹን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝወሰዶ መርገፂ ጉቡእን መትከላውን ‘ዩ። ዓዲ ንምፍራስ፣ ሕገ-መንግስታውን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን ንምፍራስ ኢልና ኢህወዴግ ኣብ ምፍራስ ይኹን ሓድሽ ዘይሕጋዊ ፓርቲ ኣብ ምምስራት ክንወፍር ኣይንኽእልን። ፍልልይና መስመር ‘ዩ። ፍልልይና ኣብ መንጎ ስርዓት ምቕፃልን ስርዓት ምፍራስን ‘ዩ። ፍልልይና ኩሎም ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናፅን ነዚ ወድዓዊ ሓቂ ዝኻሓደ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምምፃእ ዝግበር ቃልሲ ‘ዩ።



ህወሓት ከምዚ ዝበለ እምነትን መርገፅን ብምሓዙ ምኽንያት ዝፀንሐን ዘሎን ፀለመን ሽርሕን ቀሊል ኣይኮነን። ነቲ ምሕላፍ ዝኸልአና ዝበልዎ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንምብርካኽን ንምስኳንን ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። ንቅድሚት ‘ውን እዚ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይብሉን። ነዚ ኩሉ ሽርሕን ተፃብኦን ንምምካት ፍፁም ኣይንምብርከኽን ዘበት ዳግማይ ባርነት ኢልና ክንወፍር ኣብ ዘገድድ እዋን ኣለና። ፍፁም ኣይንምብርከኽን ዘበት ዳግማይ ባርነት ንብል ዘለና ንማለቱ ወይ ክንብል ስለዝደለና ንጥቀመሉ ዘለና ኣባሃህላ ኣይኮነን። ወይ ካብዙይ እዙይ ይሓይሽ ኢልና ንመርፅ ስለዘለና ኣይኮነን። ሕሉፍ ዝኸፈልናዮ መስዋእትን ናይ ቃልሲ ፅንዓትን ተኣማሚና ንብሎ ዘለና ‘ውን ኣይኮነን። መከራ ምሕላፍ፣ ብመከራ ተፈቲኑ ዝሓልፍ ህዝብን ውድብን ስለዘለና ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ዘጋጠመ ፈተና ብፅንዓት ተቓሊስና ምሕላፍን ፍፁም ናብቲ ሕሉፍ ባርነት ኣይንምለስን ኢልና ካብ ምቅላስ ወፃእ ካሊእ መማረፂ ስለዘየለ ‘ውን ‘ዩ። ዝሓለፈ መከራን ዓቐብ ቁልቁልን ሓሊፍና፣ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊልና፣ ከም ውሕጅ ዝፈሰሰ ደም ከይደረቐ፣ መላምል ደቂ ህዝቢ ኣብ ንእስነት ዕድሚኦም ሂወቶም ገቢሮም፣ ኣካሎም ተሓምሺሹ ዝተሃነፀ ስርዓትን መስመርን ንድሕሪት ተመሊሱ ናብ ዳግም ባርነት ክንኣቱ ፍፁም የብልናን ክንብል ስለዘለና ‘ውን ‘ዩ።
እዚ ፈተና ኣማዕዲና ንሪኦ ዘለና ኣይኮነን። ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝኒሀ ሩኡይ ናይ ፅባሕ ዘይኮነስ ናይ ሎሚ ፈተና ‘ዩ። እዚ ፈተና ከምቲ ሕሉፍ ፀኒዕና ተቓሊስና ‘ዶ ኣይመከትናዮን ዝንቕንቐናን ዝብትነናን ሓይሊ ንወትሩ ‘ውን ኣይህሉን።ኣብዚ ጌጋ ’ዶ ኣይፈፀምናን ንዝቕፅል ዘይተገመተ ዓመታት ናብ ሕሱም መከራ ዘይንኣትወሉ ምኽንያት ኣይህሉን። ክንድዙይ ዝኣክል ንህልውናና ዝውስን ወሳኒ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ኢና ንርከብ።

ዘይንሰግሮ ዘይንሓልፎ ፈተናን መፃብብን ክህሉ ኣይኽእልን። እናተሃደሰን እናጎልበተን ዝኸይድ ፅሩይ መስመር ሒዝና፤ ኣብ ፅላል እዚ መስመር ዓሲሉ ታኣምር ዝሰርሕ ፅኑዕ ተቓላሳይ ህዝብና ሒዝና ክንሓልፎ ኢና። ሎሚ ፅልግልግ ዝበለ እንተመሰለ ብቃልስና ብፅንዓትና ፅባሕ መሊኡ ክወግሕ ‘ዩ። ትማሊ እኳ ብጥምየት፣ ብመከራ፣ ብግፍዒ ከይተሰኮነ ሰብ ክፃወሮ ይኽእል ‘ዩ ተባሂሉ ካብ ዝግመት ንላዕሊ ተፃዊሩ ናብ ዓወት ዝበፅሐ ሎሚ ዝስኮነሉ ምኽንያት ፍፁም ኣይህሉን። ሓድግን ሕላገትን ህዝቢ ትግራይ ትዕግስቲ፣ ዓቕሊ፣ ብልሓት፣ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ተዓዋታይነትን ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ፍትሓዊ ቃልሲ ክሳብ ዘካየድና፣ ፅሩይ መስመርና ክሳብ ዝሓዝና ብዘይጥርጥር ክንስዕር ኢና። ንፀገማት ምፍታሕ፣ ምስጋርን ብፀገማት ሓድሽ ጥንካረን ሒዙ ናይ ምውፃእ ፅንዓትን ተመኩሮን ዘለዎ ውድብናን ህዝብናን ሒዝና ዘይንሰግሮ ሩባ የለን፤ ፍፁም ኣይንብርከኽን ኢልና ንዳግም ዓወት ንዳግም ታሪኽ ውፈር ተበገስ ኢልና ንወፍረሉ ጉባኤ እዩ። “ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን''

ኣብዚ ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤና ኣብ ዝሓለፈ መበል 13ተ ስሩዕ ውድባዊ ጉባኤ ብድምፂ ካብ ዝተመረፁ 1174 ተወከልቲ እቶም 1116 (95%) ዝተረከብና እንትንከውን ነቲ ጉባኤ ከዳልው ዝተሰየመ ኣሰናዳኢት ኮሜቴ ብዘቅረቦ ሪፖርትን ኣጀንዳን ብሙሉእ ድምፂ ብምፅዳቕ ተጀሚሩ፡፡ በዚ መሰረት እዚ ህፁፅ ጉባኤና እዞም ዝስዕቡ 3ተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት

1.ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ክልልናን ምስዚ ዝተዛመደ ናይ ኢህወደግ ምፍራስን ምፍጣር ሓዱሽ ዘይሕጋዊ ብልፅግና ፓርትን ብማእከላይ ኮሚቴ ዝቐረበ ሪፖርት፣
2.ምስ ኢህወደግ ዝነበረና ርክብ፣ ኣዋጅ መረፃ ምዝገባን ፖለቲካዊ ፓርትታትን ስነ ምግባር መረፃን መሰረት ዝገበረ ምምሕያሽ መተሓዳደሪ ደንቢን፣

3.ምስ ኢህወደግ ዝነበረና ምትእስሳርን ምስ ዝማዕበለ ሓዱሽ ኩነታት መሰረት ዝገበረ ምምሕያሽ ፕሮግራምን እዮም።
ነዞም ኣጀንዳታት ብዕምቆትን ብዝርዝርን ተመያይጥና ኣብ ሙሉእ ምርድዳእ በፂሕና ኣለና። ብምኻኑ እዉን ካብዚ ጭቡጥ ሕዚ ማዕቢሉ ዝኒሀ ኩነታትን ንቕድሚት ዝህልወና ቃልስን መበገሲ ብምግባር ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤና እዞም ዝስዕቡ በዓል 8ተ ነጥቢ ውሳነታት ወሲኑ ኣሎ።

ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ይኹን ኣብ ናይ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራስን ቃልስና ናይ ሃገርና ጭቡጥ ኩነታት ተረዲኡ መፍትሒ ዘምፀአ መስመርን ኣወዳድባን ብብቕዓት መሊስና ብሓባር ኢህወዴግ መስሪትና ፈታውን ፀላእን ዝፈልጦ ታኣምራዊ ዓወታት እናመዝገብና ፀኒሕና ኢና። እዚ መንገዲ ዓወትን ድሕንነት ሃገርን ዝነበረ መስመርን ውዳበን ህልውንኡ ተረጋጊፁ ሃገርና ናብ ልዑል ብራኸ ክትወፅእ ባህግን ድልየትን ውድብና እኳ እንተነበረ ብምኽንያት ተፈጢሩ ዝፀንሐን ዘሎን ፅግዕተኛ ምብስባስ ባህሪ ኢህወዴግ ተቐይሩ ናብ ሓዱሽ ብመስመር ይኹን ብትሕዝቱኡ ዝተፈለየ ፅግዕተኛ ፓርቲ ተሰጋጊሩ ኣሎ። ብምኳኑ ‘ውን እቲ ብሓባር ዝፈጠርናዮ ኢህወዴግ ካብ ስርዓትን ኣሰራርሓን እቲ ግንባር ወፃኢ ብናይቶም ሰለስተ ውድባት ጥልመትን ክሕደትን ክፈርስ ገይሮም ኣለው። ህፁፅ ጉባኤና ነዚ ዘይሕጋውን ፀረ ዲሞክራሲ ተግባር እናኾነነ ህወሓት ግን ሒዝዎ ንዝነበረ መስመርን እምነትን ውዳብኡን ብፅንዓት ሒዙ ክቕፅል ‘ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስቲ ተፈጢሩ ዝኒሀ ሓዱሽ ዘይሕጋዊ ብልፅግና ፓርቲ ‘ውን ብዝሓዝናዮ መስመርን ኣተሓሳስባን ሓቢርና ክንከይድ ብፍፁም ኣይንኽእልን። ብምኽንያት እዙይ ማእኸላይ ኮሚቴ ይኹን ስራሕ ፈፃሚት ዝወሰዶ ቅዋም ትኽክለኛን ጉቡእን ‘ዩ ነይሩ። ብምኳኑ ‘ውን ናብቲ ዝብሃል ዘሎ ዘይሕጋዊ ፅግዕተኛ ፓርቲ ህወሓት ዓዲ ንምፍራስ ኢሉ ከምዘይኣቱን ከምዘይሕወስን ህፁፅ ጉባኤና ወሲኑ ኣሎ።

ንድሕንነት ህልውናን መስመርናን ህዝብናን ኢልና ክሳብ ሕዚ ዘካየድናዮ ቃልሲ ዕውት እዩ ነይሩ። ንቅድሚት ‘ውን እንተኾነ ብሰለማዊ፣ ዲሞክራስያውን ሕጋውን ኣገባብ ቃልሲ ንሃለዋትናን ድሕንነትናን ኢልና ኩለመዳያዊ ቃልሲ ክግበር፣ ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ትግራይ ልዑል ለውጢ ንምምፃእ ርብርብ ክግበር፣ ቀፃልነት ናይ ትግራይ ዓርሰ ምምሕዳር ንምሕያል መላእ ህዝብናን ኣባላት ውድብናን ነዚ ፍሉይ ምዕራፍ ቃልሲ ካብኦም ዝድለ ኩሉ ክፍፅሙን ውድብና ኣብ ቅድሚት ኮይኑ መሪሕ ተርኡ ክፃወት ህፁፅ ጉባኤና ወሲኑ ኣሎ።
ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝብና ኣብ ዝግበር ኩለ መዳያዊ መኸተ ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ኣብ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ምስ ዘይደራደሩ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ስቪክ ማሕበራት፣ ናይ ህዝቢ ውዳበታት፣ ውልቀ ሰባት ወዘተ ሓቢርካ ንምስራሕን ዝተፈላለየ ኣግባብ ቃልስን ኣወዳድባን ተጠቒምና ንምድግጋፍን ንምትሕግጋዝን ዝላዓለ ፃዕሪ ክግበር ህፁፅ ጉባኤና ወሲኑ ኣሎ።

ብዝሓዝናዮ መስመርን ኣተሓሳስባን እምነትን ተፈላሊና ኣለና ማለት ኣብ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ርክብ ኣይህልወናን ማለት ኣይኮነን። ፍልልያትና ኣኽቢርና ሓሳባትና ብሰለማዊ፣ ሕጋውን ዲሞክራስያውን መንገዲ ምስጓም ንኽእል ኢና። ክኸውን ዘለዎ ስልጡን ኣካይዳ ‘ውን እዙይ ‘ዩ። ብምኳኑ ‘ውን ህወሓት ኣብ ትሕቲ ሕገ-መንግስታውን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን ብፅንዓት ክቃለስ ‘ዩ። ህወሓት ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዘለዎ ርክብ ናይ ክልቲኦም መንግስታት ዝተውሃቦም ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነት መሰረት ገይሩ ክቕፅል ከምዝሰርሕን ካብዚ ወፃእ ንዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ተግባርን ምንቅስቓስን ፍፁም ከምዘይንፈቕድ፣ ከምቲ ሕሉፍ ብፅንዓት ንምቅላስን ንምምካትን ህፁፅ ጉባኤና ወሲኑ ኣሎ።

ምእንቲ ብሄራዊ ረብሓናን ናይ ሓባር ሃገራዊ ጥቕምናን ኢልና ናይ ሃገርና ህልውናን ንምውሓስ ሕገ-መንግስታዊ ፌደራላዊ ስርዓትን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ምስ ከማና ዝበሉ ናይ ሕገ-መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊስት ሓይልታትን ብመሰረት ሕጊ መረፃ ሃገርና ኩሉ ዓይነት ኣወዳድባታት ተጠቒምና ማለት ‘ውን ፎረም፣ ሕብረት፣ ግንባር፣ ውህደት ክሳብ ምፍጣር ዝኸይድ ቃልስን ምድግጋፍን ክግበርን ነዚ ታክቲካል መድረኽን ዝኸውን ሰፊሕ ግንባር ብምፍጣርን ኣብ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መስመር እምነት ምስ ዘለዎም ሓይልታት ድማ ስትራቴጂክ ግንባር ክህልወናን ዘኽእል ሕገ ደንብና ብዝኣዘዞ መሰረት ክፍፀም ህፁፅ ጉባኤና ወሲኑ ኣሎ።
ኢህወዴግ ዝፈረሰሉ ኣገባብ ዘይሕጋውን ብፀረ ዲሞክራሲ ኣካይዳን ‘ዩ። እቲ ከይዲ ካብ ኣዋጅ መረፃ፣ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባትን ስነ-ምግባር መረፃ ሃገርናን ካብ መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ግንባር ወፃእ ብፀረ ዲሞክራሲ መንገዲ ክፈርስ ተገይሩ ኣሎ። ነዚ ስዒቡ ምስ ኢህወዴግ ዝነበረና ርክብ፣ ኢህወዴግ ንምፍራስ ዝተኻየደሉ ዘይሕጋዊ ኣገባብን ዝነበረና ናይ ሓባር ሃፍትን ንብረትን መሰረት ዝገበረ መሰልናን ጥቕምናን ንምርግጋፅ ኩሉ ዓይነት ሕጋዊ መንገዲ ክንጥቀም ኢና። ብህፁፅ ጉባኤና ዝተወሰኑ ውሳነታት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብሰላማዊ፣ ፖለቲካዊን ሕጋውን ኣግባባት ከፈፅም ህፁፅ ጉባኤና ወሲኑ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንሃላዋቱን ድሕንነቱን ኢሉ ኣብ ዘካየዶ ኩለመዳያዊ መኸተ ዕንቅፋት ዝኾኑ ውሽጣዊ ድኽመታትና ከባቢያውነት፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝራኣዩ ድሕረታት፣ ሃይማኖት ምኽንያት ዝገበረ ፅንፈኛ ምንቅስቓስን ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዝመፅእ ፖለቲካዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝዘርግ ኣተሓሳስባን ተግባርን ብፅንዓት ምቅላስ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ኣገዳሲ ‘ዩ። ነዘን ናይ ውሽጥና ድኽመታት ተበሊፆም ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ብምዝራግ ሃላዋትን ድሕንነትን ህዝብናን ውድብናን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪዶም ብሽም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ናብ ንግድን ሸቐጥን ዝተዋፈሩ ክርዳዳትን ባንዳታትን ዝገብርዎ ዘለው ፀረ ህዝቢ ምንቅስቓስ ፍፁም ዕድል ብዘይህብ ንምምካት ዝላዓለ ቃልሲ ክግበር፤ መላእ ህዝብናን ኣባላት ውድብናን ከምቲ ሕሉፍ ኣብ እምነትና ፀኒዕና ንናይ ፅባሕ ዘይተርፍ ዓወት ሓድነትና ኣስጢምና ኣብ ዙርያ መስመርና ዓሲልና ፖለቲካዊ ሓድነትና ናብ ልዑል ብራኸ ዘሰጋግር ኩለመዳያዊ ቃልሲ ክግበር ህፁፅ ጉባኤና ወሲኑ ኣሎ።

ህፁፅ ጉባኤና ዝወሰኖም ኩሎም ውሳነታት ማእኸላይ ኮሚቴ ሓላፍነት ወሲዱ ክዝርዝርን ክፍፅምን ህፁፅ ጉባኤና ወሲኑ ኣሎ፡፡

1.ዝተኸበርካ መላእ ኣብ ውሽጥን ደገን እትነብር ህዝቢ ትግራይ፣ ኩልኻ ሓረስታይ፣ መንእሰይ፣ ደቂ አንስትዬ፣ ኣብ ወፃኢ ትነብሩ፣ ነባራይ ከተማ፣ ምሁር፣ ነጋዳይን ካልኦት ናይ ሕ/ሰብ ክፍልታትን፣ ብዝኸፈልካዮ መሪርን ክቡርን መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ተፃዒኑ ዝፀንሐ ኣሃዳውን ጨፍላቕን ስርዓት ደምሲስካ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝተመስረተ ሕብረ ብሄራዊ ሃገርን ስርዓትን ኣብ ምህናፅ ዕዙዝ ኣበርክቶ ጌርካ ኢኻ፡፡ ሕልፊ መስዋእቲ ከፊለ እንተይበልካን ሓለፋ እንተይተፀበኻን ብፅፍርኻን ፃዕርኻን ከባቢኻን ሃገርን ክተልምዕን ማዕረ ተጠቃምነት ንምርርጋፅን ናይ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ልምዓት ሃርበኝነትካ ብግብሪ ኣረጋጊፅካ ኢኻ፡፡ ይኹን እምበር ብቃልስካ ዝሰዓርካዮም ሓይልታት ካብዝን ካብትን ተኣኻኺቦም ብፊታውራርነት ትምክሕቲ ነቲ ዝተሃነፀ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ንምፍራስ ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ምትሕንናቕ ንህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ከም ቀንዲ ፀላኢ ሰሪዖም ካብቲ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ንምንፃልን ንምግላልን ሰፊሕ ናይ ፀለመ ዘመተ እናገበሩ መፂኦምን ኣለውን፡፡ብዙሕ ትግራዋይ ካብ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢታት ንብረቱ ኣሕዲጎም ኣፈናቂሎሞን ቀቲሎሞን እዮም፡፡ኣብ ስርዓት ምህናፅን ሃገር ምሕላውን ርኡይ ተራ ዝነበሮም ተጋሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኖም፣ህዝቢ ትግራይ ግን ልቢ ኣዕቢኻ ናብ እኩይ ግብረ መልሲ ኣይኣተኻን በዚ ድማ ክብሪ ይግበአካ፡፡ በዚ ቀጥተኛ መጥቃዕቲ ስለ ዘይተዓወቱ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ሓድነት ንምዝራግ ብከባቢያውነትን ሃይማኖትን ፈላልዮም ጠቕሊሎም ከሰኩኑኻ ሰፊሕ ወፍሪ ይገብሩ ኣለው፡፡ ሕዚ እውን አንተኾነ እቲ ዝተፀበይዎ ከይኮነ ተሪፉ ሓድነትካ ኣጠናኪርካ ዘይትስበር ህዝቢ ምዃንካ ብግብሪ ኣርኢኻዮም ኢኻ፡፡ ንህልው ኩነታት ብተወከልትኻ ብኮንፈረንስ ኣቢልካ ዝሃብካና ምኽርን ማዕዳን ብዝወሰንካዮ ውሳነ መሰረት፣ ሐዚ እውን ወይከ ፈተኽ ንሓርን ብምባል ንውሳነታት ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤና ደጊፍካ፣ መስመርካ ኣፅኒዕኻ፣ ሓድነትካ ኣስጢምካ ንዘይተርፍ ዓወትካ ውፈር፣ ኩነታት ከምቲ ሕሉፍ ብንቕሓት በተጠንቀቕ ክትከታተሎን ንዳግም ዓወት ክትምርሽ ህፁፅ ጉባኤና ይፅዉዕ፡፡

2.ዝተኸበርኩም ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት

መማሐደሪ ደንቢ ውድብኩም ህወሓት ካብ ኣባልነት ክሳብ ናይ መስዋእቲ ግቡእ ኣሚንኩም ውድብኩም ብሽርሕን ፀቅጥን ትምክሕትን ፅግዕኛታትን ከይብተን ህዝቢ ትግራይ ብዘይ መራሒ ከይተረፍ ከም ሓፂን ጠንኪርኩም፣ ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣፅንዕ ኢልኩም፣ ብመስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ዝተመስረተ ሕገ መንግስትን ፌደራል ስርዓትን ንምድሓን ትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲን ፅንዓትን ህዝቢ ትግራይ ንምብስባስ ተታሒዙ ዝነበረ ኣጀንዳ ናህሩ ንኽቕንስ፣ ህዝብኹም ንኩነታት ክርዳእ ጌርኩም ኢኹም፡፡ሐዚ እውን ኩነታት ሃገርና ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፈአ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዝበለፀ ሓፂናዊ ፅንዓት ተላቢስኩም ውሳነታት ህፁፅ ጉባኤና ተግባራዊ ንምግባርን ኣብ ህንፀት ሰራዊት ልምዓትን መኸተን መሪሕ ተራኹም ክትፃወቱን ፃውዒትና ነቅርብ፡፡

3.ዝተከበርኩም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊስትን
ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብሓባርን ብሓደ ልብን ዝገበርክሞ ቃልሲ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝተመስረተ ሕብረ ብሄራዊት ሃገርን ስርዓትን መስሪትኩም ኩሉ ህዝቢ በቢ ደረጅኡ ተጠቃሚ ዝገበረን ዓለም ዝመስከረሉን ልምዓት ምርግጋፅ ክኢልኩም ኢኹም፡፡ እዚ ዘይተወሓጠሎም ሓይልታት ትምክሕትን ፅግዕተኛታትን ነቲ ስርዓት ብምፍራስ ንድሕሪት ክመልስዎ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ተስፋታትን ከቅህሙ ዓብዩ ምርብራብ ይገብሩ ኣለው፡፡ሰላምኩም ተዘሪጉ፣ምፈንቃል በዚሑ፣ ሃገር ኣብ ጫፍ ምብትታን ክትበፅሕ ይገብሩ ኣለው፡፡ነዚ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ድማ ዝግበረልኩም ዘሎ ፀቕጥን ምፍርራሕን እናሰገርኩም ናብ ሕሉፍ ናይ ሃፀያት ስርዓት ክትምለሱ ከም ዘይትደልዩ ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ወፂእኹም ተቃውሞኹም ኣስሚዕኹም ኢኹም፡፡ ሕዚ አውን ዝጀመርኩምዎ ቃልሲ ኣጠናኺርኩም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክተሰጋግርዎን እናፀዋዕና ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ጎንኩም ከም ዘሎ ጉባኤና የረጋግፀልኩም፣

4.ዝተከበርካ ሓውና ህዝቢ ኤርትራ

ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ቋንቋ፣ተመሳሳሊ ባህልን ብመብስቦ ዝተኣሳሰረን ሓው ህዝቢ እዩ፡፡ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ፋሽሽቲ ሰርዓት ደርግ ንምድምሳስ ብሓባር ደሚና፣መስዋእቲ ከፊልና ኣብ ሓደ ጉግጓድ ተቀቢርና ኢና፡፡በዚ ከምዚ ዝበለ ምትሕግጋዝ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንመሰል ርእሰ ውሳነን ንነፃነት ህዝቢ ኤርትራ ድጋፍ ሂቡ መስዋእትነት ከፊሉ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓማውቲ ኣብ መንጎ ከልቲኡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንሰላምን ልምዓትን ናብ ክንኣትዎ ዘይግበአና ኲናት ኣቲና ዘየድሊ ኪሳራ ከፊልና ኢና፡፡ ነዚ ዘጋጠመ በሰላ ንምሕዋይን ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ብክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ዝተጀመረ ርክብ ዋላኳ ተስፋ ዝህብ እንተነበረ ኣብ ከይዲ ግን ምኽንያቱ ግልፂ ብዘይኮነ መንገዲ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ርክብ ክቋረፅ ክኢሉ እዩ፡፡ እዚ ዝተጀመረ ተስፋ ዝህብ ሕዉነትን ዝምድናን ኣብ ምትሕግጋዝን ንኹላትና ዝጠቅም ክኸውንን ኣብ ዘላቒን ዘተኣማምንን ሰላም ክምስረትን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ካብኦም ዝድለ ኩሉ ነገር ንምግባር ድልዋት ምኻኖም ደጊምና ነረጋግፅ፡፡ ህዘቢ ኤርትራ እዉን ብወገኑ ነዚ ሰላም ዘላቂ ክኸውንን ክጠናኸርን ናይ ባዕሉ እጃም ክፃወት ንፅውዕ፡፡

5.ናይ ሃገርናን ዞባናን ጉዳይ የገድሰና እዩ ንዝብሉ ናይ ወፃእ መንግስታትን ሓይልታትን፣

ገለ ገለ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ብፍላጥ ይኩን ብዘይ ፍላጥ ኣብ ሃገርን ህዝብን ኢትዮዽያ ዝፍፅምዎ ዘለው ኣሉታዊ ተራ ረብሓን ሰላምን ሃገርናን ከባቢናን ዝጎድእ ስለ ዝኾነ ነዚ ተረዲኦም ካብ ናይ ውሽጢ ጉዳይና ኢዶም ክስሕቡ እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ ሓላፍነት ክወስዱ ይግባእ ንብል፡፡ መንግስታት ኣፍሪካን ሕብረት ኣፍሪካን ነዚ ኢድ ኣታውነት ተረዲኦም ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንክገብሩ ንፅው።

መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!!
ሐዚ ውን መስመር ዩ ሓይልና ህዝቢ ዩ ሓይልና !!
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና !!
ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን
26 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም
መ ቐ ለ


No comments: