Saturday 19 January 2019

ናይ ኢትዮጵያ ሕዝባዊ ወያናይ ዴሞክራሳዊ ግንባር ( ኢህወደግ)

ካብ ፍስሃ መረሳ

ዝፀንሐ ሽም ክርስትንኡ ጥራሕ ከም ቅርሲ ሒዙ አለኹ ዝብል ዘሎ ውድብ እየ በሃሊ ኢህወደግ ብቡዙሓት ፀገማት ኣብ ዝተኸበበሉን እታ ሃገር ካብ ማንም እዋን ብዝተፈለየ መንገዲ ናብ ዝለዓለ ወጥሪን ምክራርን ስርዓት ኣልበኝነትን  ኣብ ዝኣተወትሉን እዋን እንተስ ነቲ ኩነታት ንግዚኡ'ውን ተኾነ መልክዕ ንምትሓዝ ኢሉ ወይውን ኣለኹ እናበልካ ንምድንጋር ዝዓለመ ኣካይዳ ንምክታል ካብ ዘሎ ድሌት ዝነቀለ ክኸውን ይክእል እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ብዘዳለዎ ኣጀንዳ እቲ ብሂወት ዘየለ ዓርሲ ኢህወደግ ኣኼብኡ ኣካይዱስ ናይቲ ዝነበረ ምይይጥ ደምዳሚ መግለፂ ኣቅሪቡ ኣኸብኡ ከምዝወደአ ከም ወትሩ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ማዕኸናት ሰሚዕናዮ ኢና ፡፡ 

ብብዙሓት ወገናት እዚ ናይ ሐዚ ኣኸባ ጊዜ ካብ ምብላዕ ሓሊፉ ትርጉም ኣይህልዎን ተባሉ ካብ መጀመሪኡ ዝተገመተ ትርጉም ኣልባ ዋዕላ  ከምቲ ዝተገመቶ ነቲ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝሐዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው መንሲኢኡን መፍትሒኡን እንተየቀመጠ /ከቅምጥ እውን ብቅዓትን ዓቅምን ስለዘይብሉ/ ብሓደ ገፅ እቲ ተለመደ ስብከትን ለውጢ ኣምፂእና ኢና ዝብል ናይ ቃላት ድግግሞሽ ዝበዝሖን ንኹሉ ሰማዒ ዘሰልቸወ መዝሙርን ዘቅረበ እንትኸውን ብቲ ካሊእ ገፅ ግን እቲ ዝነበረ ፈኸራን ጃህራን ከምዘየዋፅኦ ሐዚ ቁሩብ ዝተረደኦ ይመስል ንግዚኡ'ውን እንተኾነ ነገራት ካብ ምክራር ተቆጢቡ ናይ ንተሓጋገዝ ፀገማት ሓቢርና ንፍተሓዮም  ዝብል ምሕፅንታን ልመናን ዝተሓወሶ ናይ ስብከት ቃላት ዝበዝሖ ካብ ውሽጣዊ እምነቱ ዘይነቀለ ዝተለሳለሰ ዝመስል ጀርጓንን ነቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘይምጥን መግለፂ ምውፅኡ ንገሊኡ ተስፋ ዘቁርፅ ኮይኑ ኣሎ ፡፡ 

እቲ ስልቲ ታይ እዩ ?
 ንኢህወደግ ቀቲሉ ናብ ስልጣን ዝመፀ ብልሙድ ቲም ለማ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ፅንፈኛ ሓይሊ ካብ መጀመሪኡ ከምዝፍለጥ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ቀስ ብቀስ ብምፍራስ ተተሳኺዕሉ ንዑ ዝምችዎ ፅግዕተኛ ስርዓት ኣብ ሓፂር ጊዜ ክተክል እዩ እቲ ቀንዲ ዕላምኡነይሩን ሐዝውን ዘሎን ፡፡ እዙይ ንምስኻዕ'ውን ካብታ ስልጣን ዝሓዘላ ዕለት ጀሚሩ ብሕቡእን ብግልፅን ናይ ባዕሉ መፈፀሚ ስልትን ስትራቴጂን ሓንፂፁ ብናይ ደገ ሓይልታት ቀጥተኛ ድጋፍን ኣመራርሓን  እናተሓገዘ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ዝተተኸለ ዴሞክራስያዊን ፌዴራላዊን ስርዓት ሙሉአ ንሙሉእ ኣፍሪስካ ብኻሊእ ንዑ ብዝጥዕሞ ስርዓት ንምቅያር ለይትን ቀትርን ብዘይዕረፍቲ ሰሪሑ እዩ ፡፡ ሐዝውን  ኣብ ምስራሕ ይርከብ ፡፡ 

ከም ድልየቱ ኩሉ ነገር ኣብ ሓፂር እዋን ወጋጊኑ ንዑ ዝምችዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ብምትካል ንሱ ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ዘመሓድራ ኢትዮጵያ ምፍጣር እዩ ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብዛ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝተሃነፀ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብተነፃፃሪ እንትረአ ኣብ ፅኑዕ መስረት ዝተነፀፈ ስለዝነበረን እቲ ሐዚ ዘሎ ኣካይዳ ንህዝቢ እዛ ሃገር ዘይጠቅም ብምኻኑን ህወሓት ዝመርሖ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ከዓ ነቲ ዝግበር ዘሎ ፀረ ሕገመንግስቲ ኣካይዳ ብትረት ይምክቶን ይቃለሶን ስለዘሎን በቲ ዝደለዮ ክሳኸዐሉ ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣንፃሩ ንሱ ብዘይገመቶን ብዘይተዳለወሉን መንገዲ ፀሪኡ ዝኾነ ምንቅስቃስ ዝተፈጠረሉ ኩነታት ስለዘሎ ካብዚ ወጥሪ እዙይ ንምድሓን ክብል ሐዚ ደላይ ሰላም ንክመስል ናይ ሰላምዶ ናይ ዕርቅዶ ዝብል ጭርጮ ሒዙ  ሸበድበድ እንትብል ይረአ ኣሎ ፡፡ በዚ መሰረት ካብቲ ሐዚ ዝወፀ መግለፂ ምግንዛብ ከምዝከኣል ሓድ ሓደ መለሳለሲ አጀንዳ ብምሓዝ  ብሽም እቲ ውድብ እዙይ ተወሲኑ ኣሎ ፡፡  ኣባላት እቲ ግምባር ንባዕሎም ኣብ ዝለዓለ ምክራርን ምፍጣጥን  እናሃለው እቲ ሽግር ብምሽፋን ንህዝቢ ንምትላል ክብል ኩልና ሐደ ኢና ተስማዕሚዕና ኢና ወፂና  እናበልካ ጊዜ እናሸመትካ ዕድመኻ ንምንዋሕ ዝዓለመ ሓዱሽ ስልቲ ሓንፂፁ ተኮይንሉስያ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሃተውተው  ምባል ጀሚሩ ኣሎ ፡፡

ብኻሊእ ገፅ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ብመሰረቱ በቲ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ሰላም ዴሞክራሲ ልምዓትን ከምፅእ ስለዘይኽእል ብዙሓት ነገራት በቲ ኣብ መጀመሪያ ስልጣን ምስ ሓዘ ክገብሮ እየ ዝበሎን ክገብር ስለይከኣለን  እቲ ህዝቢ በቢእዋኑ ዘልዕሎም ናይ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ሕቶታት ብቅጥዑ ተረዲኡ ካብ ተራ ስብከት ዝሓለፈ ኣብ ባይታ እትነጥብ ንህዝቢ እትጠቅም ጭብጥቲ መፍትሒ ከምፅእ ስለዘይኽእልን በቢኸባቢኡ ናይ ህዝቢ ሕቶታት እናሓየለ ብፍላይ ሐዚ ሐዚ ንሱ ኣብ ሙሉእ ንሙሉእ ተቆፃፂረዮ እየ  ናተይ ድሕርቤት እዩ ኢሉ ኣብ ዝተኣማመነለን ዝነበረ ክልላት ከተይተረፈ ብዝተወደበን ዘይተወደበን መንገዲ ፀሪኡ ተቃውሞታት እናተበራኸት ስለዝመፀ ኣብ ዓብይ ስግኣት ወዲቁ ስለዘሎ ካብዚ ጭንቀት እዙይ ንምግልጋል ክብል ዘቀራርቡ ዝመስሉ ማእኸሉ ሕጊ ክነኽብር ኢና ህዝቢ ሓግዘና ዝብል ምሕፅንታን ልመናን ብቀንዱ እቲ ሐዚ ዘሎ ኣብ ገሊኡ ተፈጢሩ ዘሎ ባርዕ ነግ ነግ ስለዘበሎ ካብዙይ ንግዚኡ'ውን እንተኾነ ንምህዳም ክብል ኣካኪ ዘራፍ ዝሕዘኒ የለን ኢሉ ንሱ ብዝቆፃፀረን ሚድያ ተይተረፈ ዝግዕር ዝነበረ ሎሚ ግና ንመደናገሪ ዝኾኑ ቃላት ኮሓሒሉ ከቅርብ ዝተገደደሉ ኩነታት ከምዘሎን እዩ ካብቲ መግለፂ ምርዳእ ዝከኣል ፡፡
ዘይሩ ዘይሩ እዚ ፅግተኛ ሓይሊ እዙይ ብኹሉ ገፅ እንትረአ ግና እታ ዕላምኡ በቃ ሐዝውን  ሓንቲ እያ ፡፡ እቲ ሐዚ ገጢምዎ ዘሎ በቢኩርንዑ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተቃውሞ ብሓይልን ብፀረ ዴሞክራሲን ኣካይዳ ክኣልዩ ስለዘይከኣለ /ክኣልዮውን ስለዝይክእል/ ንጊዚኡ እቲ ዝነበረ ፈተኻ ፀላእኻ ተደመር ተዘየለ ትጠፍእ ኢኻ ዝብል ኣካይድኡ ኣፅኒሑ እቲ ኩነታት ክሳዕ ዝምችወሉ ጊዜ ንምሽማት ዘኽእሉ ስልቲ ሓንፂፁ እዩ ኣብዚ ናይ ሐዚ ኣኸብኡ ወፅዩ ዘሎ ፡፡  በዙይ ኣንፃር ዝዋጠየ ይዋጢ ኣብ ጠቅላላ ባህሪኡን ቁመንኡን መሰረታዊ ለውጢ ከምፅእ ስለይክእክል/ባህሪኡእውን ስለዘይፈቅደሉ/ ብፍላይ ወያናይ ዴሞክራሰያዊ ሓይሊ ንደቂቃ’ውን ተኮነት ከይተዘናግዐ በቲ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣበርቲዑን  ኣጠናኪሩን ክቅፅሉን እዚ ፅንፈኛ ሓይሊ ኣብ መወዳእታ ፈቲዩ ዘይኮነስ ብናይ ህዝቢ ቃልሲ ተሳዒሩ ነቲ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣኽቢሩ ክከይድ ተዘይኮይኑ ግና ተቃሊዑ ሙሉእ ንሙሉእ ክፅረግ ካብ ምግባር ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ከምዘየለ ተረዲእኻ ምንቅስቃስ ይሓትት ፡፡ 

  

No comments: