Thursday 1 November 2018

ናይ ኣምሓርኛ ቋንቋ ምስፍሕፋሕ ኣብ ወረዳታት ትግራይ

ካብ ባሕረ-ነጋሽ 

ኣብ  ትግራይ ዝርከባ ናይመንነት ሕቶ ኣለወን ብዝብል ሽፋን ናይዕግርግር ማእኸል ንክኾና ዝሕሰባ ዘለዋ ወረዳታት ነበርቲ ገሊአን ወረዳታት ንኣብነት ወልቃይት ወረዳ ኣምሓርኛ ቋንቋ ተናገርቲ ቁፅሪ ካብግዜ ናብግዜ ከመይ ኢሉ ከምዝወሰኸ ብጣዕሚ ዝገርም እዩ፡፡ናይመንነት ሕቶ ኣለወን ዝበሃላ ናይኩለን ወረዳታት እኹል ሓበሬታ ክረክብ ስለዘይከኣልኩ ናይ ወልቃይት ወረዳ ጥራሕ ኣብ ዊኪፔዲያ ብዝረኸብክዎ መሰረት ከምዝስዕብ ናብትግርኛ ብምትርጓም ኣቕሪበልኩም ኣለኹ፡፡ ናይዚፅሑፍ ዋና ዓላማ ኣብ ኣምሓርኛ ቋንቋ ተናገርቲ ኣሕዋትና ነበርቲ እዘንወረዳታት ሕማቕ ኣረኣእያ ንምፍጣር ከይኮነስ ናብቲ ከባቢ መን ብበዝሒ ይፈልስ/ይውሕዝ ከምዘሎ ዘርኢ ሓቂ ምቕራብ እዩ፡፡ እቲ ሓቂ ፈሊጥና ድማ ኣድላይ ዝበሃል ሓበሬታ ክህልወና ምእንታ ንእዩ፡፡   

ናይ ወረዳ ወልቃይት
Ethnicity/ብሄር
Ethnic Group/ብሄር
ከምኣውሮፓ አቆፃፅራ ብ1994 ብዝተገበረ ህዝቢ ቆፀራ
ከምኣውሮፓ አቆፃፅራ ብ2007 ብዝተገበረ ህዝ ቢቆፀራ
ትግራዋይ
96.58%
92.28%
ኣምሓራ
3.03%
6.48%
ኩናማ
    -
0.31%
ኦሮሞ
    -
0.35%
ኤርትራውያን
0.21%
0.03%
ዓፋር
0.02%
0.02%
አገው
0.04%
0.10%
ኢሮብ
     -
0.11%
ሱዳናውያን
     -
0.07%

Mother Language/ ኣፍመፍትሒቋንቋ
Ethnic Group/ብሄር
ከምኣውሮፓ አቆፃፅራ ብ1994 ብዝተገበረ ህዝቢ ቆፀራ
ከምኣውሮፓ አቆፃፅራ ብ2007 ብዝተገበረ ህዝቢ ቆፀራ
ትግርኛ
97.14%
86.73%
ኣምሓርኛ
2.75%
12.18%
ኩናማኛ
    -
0.32%
ኦሮምኛ
0.01%
0.33%
ኣገውኛ
0.06%
0.09%


እቲ ሓቂ ከምዚ እንዳሃለወ ግን ኣብቲ ከባቢ ዕግርግር ንምእታው ብዛዕባ እዞም ህዝብታት ናይ መንነት ሕቶ ኣለዎም እንዳበሉ ዘልዕሉ ዘለው ግዳማዊ ፀላእቲ ሓይልታት ትግርኛ ተናገርቲ ናብቲ ከባቢ ተሰዲዶም ከምዝመፁ ነቲ ኣብላዕሊ ዘሎ ሓቂ ገልቢጦም ይዛረቡ ኣለው፡፡ካልኦት ፈተውቲ ሓቂ ዝኾንኩም ኣሕዋት እውን ናይተን ዝተረፋ ወረዳታት ሓበሬታ እንተረኺብኩም ንኽተቕርቡ ይምዕድ፡፡

__________________________________
 ዝሰእባ ቪድዎታት ዛዕባ ወልቃይት ታሪክ ሐበረታ ይህባ ! ( በቴሌቪዥን ትግራይ ዝተዳለወ )
  ክፋል 1

ክፋል 2

No comments: