Tuesday 20 November 2018

እቲ ዙር ይኸርር ኣሎ !

ፍስሃ መረሳ

ቅጥዑ ዝጠፍኦ ፖለቲካê ኩነታት ሃገርና ከምቲ ኹልና ንሪኦ ዘለና ካብ እዋን ናብ እዋን እቲ ኩነታት ዓዕርዩ እናሓመቀን እናተበላሸወን ይኸይድ አሎ ፡፡ እቲ ሐዚ ናይ ፌደራል ስልጣን ዝተቆፃፀረ ሓይሊ ብዘይምንም ስኽፍታ ብፀሓይ ቀትሪ ተጠሊዑ ዘሎን ዘየለን ሓይሉ አተአኻኺቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግልፂ ናይ መጥቃዕቲ አዋጅ አዊጁ ኣሎ፡፡ኣብ ቀረባ መዓልትታት ብፌደራል ዓቃቤ ሕጊ ዝተውሃበ ናይ መንግሥቲ መግለፂን ብዶክመንተሪ ፊልም ተዳልዩ ብዛዕባ ሜቴክ ዝቀረበ ዘገባን ሚድያታት ወፊረሙሉ ዘለው ናይ መፀለምታ ዘመጃን ደሚርካ እንትረአ ናይ ኩሉም መልእኽቲ ንህዝቢ ትግራይ ማእኸል ብምግባር ነቲ ብቀፃሊ ክገብርዎ ዝሓስቡ ዘለው ናይ መጨረሻ መጥቃዕቲ ማለት ንህዝቢ ትግራይን ውድቡን ነፂልካ ንምቃዕ ዘኽእሎም ምችው መደላድል እዮም ብገንኡ ዘንፅፋ ዘለው ፡፡እተን ሐዚ ብስርዓት መውቅዒ ህዝቢ ትግራይ ክኾና ይኽእላ እየን ኢሎም ዘዳለውዎን ኣብትርቲ ብከመይ ነፍሽለንን ንምክተንን ብገንኡ ንምድላው ስለዘጠቅመና ሓደ ብሓደ አሕፂርና ምርኣይ ዝበለፀ እዩ ዝኸውን ፡፡

1- ኣብ ልዕሊ አመራርሓ ብሄራዊ ድሕንነት ነበር ዝቀረበ ጠቀነ ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ትግራይ ነፂልካ ክውቃዕ ተሓሰቡ ብስርዓት ሻዕብያ እናተሓገዘ ዝግበር ዘሎ ፀለመ እዩ
ናይ ሰነ 16 ዝተፈፀመ ጥቅዓት መን ከምዝገበሮ ብዕሊ እናተፈለጠ ምንም ምትሕሓዝ ዘይብሉ ኮነ ተባሂሉ ተዓሊሙ ፈፃሚኡ ኣመራርሓ ህወሓት እዩ ዝብልሉ ዘለው መሰረታዊ ምኽንያቱን ፖለቲካዊ ትርጉሙን እንትረአ መንግሥቲ ንምግልባጥ ዝተሓሰበ ውዲት ከምዝነበረን ህወሓት ከም ውድብ ፀረ ለውጢ ከምዝኾነን ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ እዛ ሃገር ከም ድላዩ ክገበር ዝደሊ ከምዝኾነን ብምምሳል ዘይሩ ዘይሩ ኣመራርሓ ህወሓት ንይምሰል እዩ እምበር ፀረ ሕገ መንግሥትን ፀረ ረብሓ ብሄር ብሄረሰባት ከምዝኾነ ብምቅራብ ብኡ ኣቢሉ ካልኦት ህዝብታት ኣባና ዝነበሮም አመላኽታ ክቅይሩ ብምግባር መጨረሽኡ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እንትውቃዕ ተቃውሞ ከይመፆም ዓሊሞም እዩም ዝሰርሑ ዘለው ፡፡
2-ምስ ሰብዓዊ መሰል ተታሓሒዙ ዝቀርብ ዘሎ ዝታገነን ፍፁም መሰረት ዘይብሉን ፀብፃባት ቀንዲ መውቅዒ በትሪ ንኣመራርሓ ህወሓት ኽኾኖም ዝሓሰብዎ እዩ
ህወሓት ደርጊ ኣብ ምድምሳስ ቁልፊ ተራ ተፃዊቱ እዩ ፡፡ ደርጊ ድሕሪ ምድምሳስ ኣብ ዝነበረ ሃገር ናይ ምህናፅ ስራሕ'ውን ከም ሃገሩ ሓደ ኣካል ኢህወደግ ኮይኑ ምስ ጉድለታቱ 'ውን ተኾነ ዘይትካእ ናይ ባዕሉ ኣስተዎፅኦ ገይሩ እዩ ፡፡ እቲ ሓቂ እዙይ እናሃለወ እቲ ዝመፃእናዮ 27 ዓመታት ገሊኦም ክሳዕ ኣባላት ናይቲ ግምባር ኮይኖም ብዘይ ምንም ሕንከት ኣብ ኣደባባይ ተጠሊዖም ናይ ፀልማትን መከራን እዋን እዩ ነይሩ ዝበልዎ ናይቲ ዝሓለፈ ናይታ ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፊነት/ምስቲ የህወሓት የበላይነት እዩ ነይሩ ዝብልዎ እናተአሳሰሩ / ኩሉ ኣብ ዕንግድዓ ህወሓት ክወድቅ ብምግባር ተጠያቂኡ ህወሓት እዩ ንሕና ኣይማይና ኣይሰማይና ኣብቲ ጉዳይ አይነበርና ብዝብል ካብ ተጠያቅነት ንምህዳም ክጥዕሞምን ብአንፃሩ ግና ንዓና መውቅዒ ክኾኖምን ዘሎን ዘየሎን ገሊኡ ንክትሰምዖ ዘስኽፍ መን ኣበይ መዓዝ ገይርዎ ብዘየግድስ ዝለዓለ ሰብአዊ መሰል ዝጠሓሰን ክጠሓስ ዝገበረን ህወሓት ስለዝኾነ ነዚ ሓይሊ እዙይ ከዓ ዝግባእ ቅፅዓት ክንቀፅዖ ህዝቢ ኣብ ጎድንና ተሰለፍ እናበሉ ወግሐ ፀብሐ ዝዋጥዩ ዘለው ናይ መጨረሻ ዕላምኦም ፍሉጥ እዩ፡፡
3- ንህዝቢ ሃፍትኻ ብተጋሩ ተወሪሩ እዩ ስለዚ ሐዚ ተፋረዶም ፀሪኦም ክተት ኣብ ጎንና ተሰለፍ ይብልዎ አለው ኣብዛ ሃገር ግዕዝይና ሱር ዝሰደደ ፀገም ከም ዝኾነ ቅድም ኢሉ ተነፂሩ ዝሓደረን ይሕመቅ ይፀብቅ'ውን ቃልሲ እናተገበረሉ ዝመፀ ጉዳይ እዩ ፡፡ ግዕዝይና ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢን ኣብ ዝተፈለየ ብሄርን ዝተደረተ ዘይኮነስ ስፍሓቱን መጠኑን ክፈላለ እኻ ዝኽእል ተኾነ እቲ ፀገም ግና ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ሕማም ምኻኑ እናተፈለጠ ገሊኦም እቶም ኣብ ምክሳስን ምስክር ምኻንን ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይኖም ዘለው ሰበ ስልጣናት ቦርድ መራሕቲ ኮይኖም ዝውስኑ ቀዳምነት ክሕተቱን ክጥየቁን እናተገበአ ካብኦም ንታሕቲ ዘለው ተጋሩ ንቅድሚት ብምምፃእ ብቢልዮናት ዝግመት ሃፍትኻ እዞም ውሑዳት ተጋሩ ስልጣን ሒዞም ንሶምን ኣዝማዶምን መሻርክቶም ሰብ ሃፍትን ተጠቂሞምሉ ብዝብል ብግልፂ ፈልዮም ውቅዒቶም ኣብ ትግረዋይ ገይሮም ብግልፂ ይንቀሳቀሱ አለው ፡፡
ሌባ ትግረዋይ ተሃልዩ ፈሊኻ ከምሃገሩ በዝፈፀም ገበን ምጥያቅ እናተኽኣለን ኣብቲ ስርቂ ሓደ ካብቲ ሓደ ብዘይፈሊ ከከም ዝተረኸበሉ ማስረጃ ብሕጊ ምጥያቅ እናተገበአ ኣብዙይውን ዘርኢ ዝፈለየ መቀፀልታ ናይቲ ዝፀንሐ ኩሉ ሃፍትኻ ናብ ትግራይ ጊዒዙ እዩ ዝብል ሐዚ ኣጠናኺሮም ዝቅፅልሉ ዘለው ምክንያት ህዝቢ ትግራይ ነፂልካ ንምቃዕ ክምችዎም ምስ ጎይቶኦም ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ዝፈሓስዎ ተንኾል ከምዝኾነ ንማንም ግልፂ እዩ
4- ህዝቢ ትግራይ ንምድኻም ዝጠቅሞም ካልኦት ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክወስዱ ይዳለው አለው እዮም
ናይ ውሽጢ ፀላእቲ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ተሻሪኾም ተኾይንሎም ነቲ ሐዚ ሃገርና ትምርሐሉ ዘላ ሕገመንግሥታዊ ስርዓት ሙሉእ ንሙሉእ ኣፍሪሶም ንሶም ከም ድላዮም ዝገብርዋ ሃገር ክትህሉ ተኾይና ነዚ ድልየቶም እዙይ ዘዕንቅፍ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ መጀመሪያ ክፀርጉዎ እዩ ባህጎም ፡፡ ኣብ ልዕሊ ዙይ ገሊኦም ኩነታት ተመቺይሎም ዝፀንሐ ናይ ትማሊ ሕዱር ቂሞም'ውን ክዋፅኡ እዮም ዝዳለው ዘለው ፡፡ በዚ ብክልቲኡ መመዘኒ ኣብ ቅድሚኦም ፀኒሑ ክሳዕ መጨረሻ ብኹሉ መዳይ ክቃለሶም ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ ምኻኑ ኸዓ አቀዲሞም ኣነፂሮሞዎ ዝሓደሩ ጉዳይ እዩ ፡፡
ናይዙይ ሓደ መርአዪ እቲ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ብናይ ማንነት ሕቶ ሽፋን ኣብ ልዕለይና ኣዊጅዎ ዘሎ ግልፂ ናይ ኩናት ኣዋጅ መቀፀልታ ናይቲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ከንቱ ሕልሞም ምኻኑ ፍሉጥ ጉዳይ እዩ ፡፡ እዙይ ተግባራዊ ንምግባር እቲ ክልል በኢኮኖሚን በፖለቲካን ንምድኻም ሐዚ በቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዝኾነ ምኽንያትን ንስንስን እናደለኻ ነቲ ኣመራርሓ ብቀፃልነት ብሽም ግዕዝይና ንቃለሰ ኣለና ዝብል ሽፋን ሓደ ብሓደ ክተሓዝ ምግባር ዝብል ብዝተጠናኸረ መንገዲ ክወስድዎ ከምዝኾኑ ንምግማቱ ኣየፅግምን ፡፡ ብተወሳኺ ብፍላይ ብኢኮኖሚ ንምድኻምን ናይ ትግረዋይ ሃፍቲ ወራስካ ንምትራፍን ኩሎም ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለው ሰብ ሃፍቲ ብፍሉይ ከዓ ኣብ አዲስ ኣበባ ዘለው ቅድሚያ ሂቦም እቲ ዘሎ ገዚፍ ሃብቲ ክወርሱን ብኡ ኣቢሎም ቀዳምነት ንምብርኻኽ ክጥዕሞም ብሞራልን በዓቅሚ ንዋትን ንምድኻም ሚድዮኦም ኣሰሊፎም ለይትን ቀትርን ንምስራሕ ከምዝረባረቡ ምንም ጥርጥር የብሉን ፡፡
እሞኸደአ ሐዚ ታይ ንግበር
ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ፀላእቲ ብፍላይ እቲ ትማሊ ብቃልስና ዝተስዓረ ሓይሊ ጊዚኡ ሓልዩ ሕንኡ ክፈዲ ይስኸዐሉዶ ካሊእ ጉዳይ ኮይኑ ንዓና ከጥፍእ ግና ስሪኡ ሰብሲቡ ተላዒሎ ከምዘሎ ቅድሚ ኹሉ ምርዳእ የድሊ ፡፡ እቲ ዝነበረ ናይ ዝሑል ኩናት ዝመስል ኣካይዳ ሐዚ እናተቀየረ ብሚድዮኦም ከይተረፈ ኣብልዕለየይና ሰፊሕን ዘየቋርፅን መጥቃዕቲ ምክያድ ጀሚሮም ኣለው ፡፡ ብጣዕሚ ዝገርም ሓላፊ ናይ ሜቴክ ዝነበረ ተጠርጣሪ ፖሊስ ትግራይ ሒዙ ኣረኪብዎም እናሃለወ ናብ ሱዳን ክሃድም ብፌደራል ሓይሊ ተታሒዙ ዝብል ዜና ምሕላፎም ክሳዕ ክንደየይናይ ዝተገበረን ዘየይተገረን ኣኻኺቦም ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕለይና ከዕርፉ ይዳለው ከምዘለውን እኹል መርአዩ እዩ ፡፡
ብቢልዮናት ዝግመት ቅርሺ ባኺኑ አየር መርከብ ጠፊአን እንታይዶስ ከመይዶስ እናበሉ ብቀንዱ እዚ ገዚፍ ናይ ዓዲ ሃፍቲ ከይባኽን ናይ ምሕላውን ናይ ምቁፅፃርን ሓላፊነት ዝነበሮም ኣብ ዝለዓለ ፀፍሒ ስልጣን ዝነበሩ ኣብ ክንዲ ቅድሚያ ምጥያቅ ንገሊኦም ሃገራዊ ጀግና ኢሎም ዝለዓለ ናይ ክብሪ ንሻን ሸሊሞም አንተብቅዑ ሓሰኻ ደንበስ ናብ ዝለምለመሉ ከምዝበሃል ኩሉ ነገር ጠቅሊሎም ንሳቶም ንፁሃት ኢና ኢሎም ንዓና ናይቲ ፀገም ተሸከምቲ ዝገብሩሉ ዘለው ዕላማ መጀሪኡን መወዳእትኡን ኣብ ልዕለይና ዝኣወጅዋ ግልፂ ናይ ኩናት አዋጅ ምኻኑ ተረዲእና ነዙይ ዝምጥን ቀዳምነት ብስነኣእምሮ ተዳሊኻ ምፅናሕ የድሊ ፡፡ ቀፂሉ ኩሉ ከከም ኣመፃፅኡ ምምካት ዘክእል አወዳድባን ከምቲ ሕሉፍ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ዝነበረና ከም ሓደ ሰብ ኮይና ኣብ ልዕሊ መንነትና ብሄራዊ ክብርና ንዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ፀረ ህዝብን ሓይሊ ገጢምና ንስዕር ከምዝኾና ብተግባር ክነርኢዮምን ክነምህሮምን ተኾይና ንቲ ዘይተርፍ ግጥም ብገንኡ ዘድሊ ምድላው ክንገብር ኣለና ፡፡
ሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን !!!
(ካብ "ዓ ይጋ ፎረም " ዝተወሰደ ) 

No comments: