Wednesday 5 December 2018

ተጋዳላይ ህወሓትን ሕሉፋት ቅያታቱን

ፍስሃ መረሳ
ብዛዕባ ተጋዳላይ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ተዘሪብ’ዩ፣  ተጨሪሕሉ’ዩ፣ ከየንቲ ኩሎም በቢዓቅሞም ብኣርባዕቲኡ መኣዝናት ብምሩፃት ቃላት ከሺኖም ደሪፎምሉ  ገጢሞምሉ እዮም ፡፡  ግና ብዘይምክንያት ኣይኮነን፡፡ ዓብይ ምስ ንኡስ ኮታስ  ኣብ ሕልና ኩሉ ትግረዋይ ንዘንተእለት ክርሳዕ ዘይኽእልን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓለለፍ ረዚን መልእኽቲ እዩ ዘለዎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝወፈሮ ኩሉ ተዓዊቱን ታሪኽ ሰረሑን ከምዝምለስን ንነፃነቱን ንብሄራዊ መሰሉን ንምኽባር  ዝዋደቅን ምስ ማንም ዘይዋገን ከምዝኾነ ዝገልፅ  ደጋጊምካ ተሰሚዕካዮ ዘይምኖ ዘበን ዘይስዕሮ ንዋዕሮታትን ንኣናብስን ብትኽኽል ብዘይምንም ኣፈላላይ  ዝገልፆም ቃል እምበር ተጋዳላይ ብምንታይ እሞ ክገልፀካ ካብዙይ ንላዕላይ ናይ ብሓቂ መግለፂ ዝተስኣነሉ  ንዘንተ እለት ዘይርሳዕ ወርቃዊ ቃል’ዩ ፡፡  
እሞኸ ምሽጥር ተጋዳላይ ዝብል ቃል ውሽጡ እንታይኮን ይኸውን?   ቅያን ታሪኽን እዚ ቃል እዙይ እንትለዓል ይትረፍ ነቲ ብኡ ዝሓለፈ ንሰማዒኡ’ውን ተጋዳላይ እንትለዓል ካብ ፅፍሪ እግርኻ ክሳዕ ጨጉሪ ርእስኻ ኩሉ ኣካላትካ መንፈስካ  ዘለዓዕል በዓል ብዙሕ ተዘክሮ ውሽጠ ምሽጥሩ እንታይኮን ይኽውን?  ኩሉ ዝገልፀሉ ነናይባዕሉ መግለፂታት ከምዝህልዎ ኣይረሳዕኹን፡፡ ኮይኑ ግና ኣነ ንቲ ተጋዳላይ ዝብል ቃል ብትክኽል ክገልፆ እየ ዝብል ሙሉእ ድፍረት’ኳ ተዘይሃለወኒ ይኽኣሎ ኣይኽኣሎ እቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ዝተደጎለ ናይ ቃልሲ ስምዒት ብዓቅመይ እንተገለፅኩዎ ነቲ ኣዕርዩ ብዝበለፀ ክገልፆን ክፅሕፎን ንዝደሊ በሪ ይኸፍት ኣለኹ ኢለ ስለዝኣምን ብዓቕመይስቲ ነቲ ቅያ ሰራሒ ተጋዳላይ ብዘን ዝስዕባ ምጡናት ቃላት ክገልፆ ኣለኒ ኢለ ተላዒለ ኣለኹሞ ኩልና በቢዘለናዮ ንወስኸሉ ፡፡

ተጋዳላይ ንናይ ህዝቢ ረብሓ ዝተሰለፈ ነታ ሓንቲን መተካእታ ዘይብላን ሂወቱ ብዘይምንም ሰጋእመጋእ ኣብ ዕሽል ዕድሚኡ ሂወቱ ዝገብረ ሕጊ ተፈጥሮ ዘይከኣል ኮይኑዎ’ምበር ተዝከኣልስ ደጋጊሙ ንህዝቢ ኢሉ ክመውት፣ ክቆስልን ዝኮነ ዓይነት ስቃይን መከራን ክቅበል ንፃት ዝኣክል’ውን ብዛዕባ ናቱ ሂወት ዘይሓስብ፡፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ኣትዩ ፀላእቱ ንምስዓር ኣብ ዝተገበረ ግጥምን ምትሕንናቅን  ናይ ማን ዓፅምን ስጋን ዝለበሰ ወዲ ሰብ ክገብሮ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዘይግመት ብቀሊሉ ንኽትኣምኖ ዘፅግም ሓደ ንዓሰርተታት ሓደ ንኣማኢት እሞ ንሱ ድሑርን ዘይዘመነን ኣፅዋር ሒዙ ገሊኡ ዝሓዞ ብረት ምትኳስ ኣብዩዎ ምስ ዘመን ዘፍረዮ ክሳዕ ኣፍንጭኡ ዘመናዊ ኣፅዋር ዝተዓጠቀ ሽሾ ሰራዊት ተሓናኒቑ  ምስ ከምኡ ዝበለ ሰብ  ጥራሕ ዘይኮነስ ዘለዎ ጠያይቲ ወዲኡ ተሓናነቅ ኮይኑ ምስ ብረት ለበስ ታንኪ ተዋጊኡ  ንፀላእቱ ስዒሩ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ኣመዝጊቡ ህዝቡ ካብ ግፍዕን ስቓይን ማሕረድን ዘውፅአ ወዲ ህዝቢ በዓል ፅኑፅ ዕለማ ተጋዳላይ  ናይ ማን ከምሃገሩ ሰብድዩ ነይሩ ኢልካ ክትሓትት ዝገብረካ ናይ ብሓቂ መርኣያ ፅንዓትን ጅግንነትን ተጋዳላይ !

ንህዝቢ ኢልካ መስዋእቲ ምኸፋል ከምውሁብ ተቐቢሉ ግና ንክትገልፆም ዘፅግሙ መከራታት፣ ውፃእ ውረድ ዓቐብ ቁልቁለት፣ ጥምየት፣  ፅምኣት ፣ ዕርቃን፣  መውጋእቲን ድቃስ ምስኣንን ኮታስ ኩሉ ኣብ ዓለምና ወዲ ሰብ ክሓልፎ ብጣዕሚ ዝኽብድ ገሊኡ ክሳዕ ሐዚ ኣብ ብዙሓት ቃልሲ ዘካየዱ ወያነታትን ህዝብታትን ዘይከኣልዎ ፀበባን መከራን ሰጊሩ ዝሓለፈ ናይ ማን እዙይስ ከምሃገሩ ስጋ ዝለበሰ ሰብ ድዩ ወይስ  ካሊእ ፍጡር !! ተባሂሉ ኩሉ ዝተገረመሉ ናይ ብሓቂ ንምእማኑ ዘፅግም ወርቃዊ ታሪኽ ዝሰርሐ ጅግና ወዲ ህዝቢ ብምንታይ ክግለፅ ይክእል  ፡፡

ንዑኡ ነቲ ተጋዳላይ ምእንተ ህዝቢ ኢልካ መስዋእቲ ምኽፋል ልሙድ ተግባሩ ፡፡ ብደው እናሃለወ  ብሓያል ቁሪ ኣካላቱ ኩሉ ደንዚዙ ገሊኡ ብምሒር ሓያል ቀዝሒ ትሕቲ ዜሮ ድግሪ ሴንቲግሬድ ኣብ ዝዕቀን ኣየር ፀባይ በረድን ኣሳሓይታን አብዝበዝሖ ይተረፍዶ ሰብ እቶም ኣብ በረኻ ዝነብሩ ፍጡራት ንሳሕቲ’ውን ትኹን ዘወር ዘይብልዎ ሰማይ ጠቀስ እምባታትን ጎቦታትን ጎሮሮ ፀላኢ ሓኒቁ እንትዋጋእ ተፈጥሮ ዘራይ ኣትዩዎ ኩሉ ኣካላቱ ተኾርምዩ  መትንታቱ ዑደቶም ጠጠው ኣቢሎም ንዛዓለም ንሓዋሩ በቃ ክሰናበታ ውሑዳት ደቓይቕ ተሪፉዎ እናሃለወ ወይከ ድምብርፅ  ምንም ዘይዕጅቦ ኣጆኩም ብፆት ንዓና እዙይ ቀሊል እዩ! ኢሉ ትብዓትን ጅግንነትን ኣውረሱ ዝሓልፍ እዙ’ይማ ቀሊል ካብዙይ ዝገደደ ኣብ ሓያል ሃልሃልታ ፀሓይ ምድረ በዳ በረኻ ይትረፍ ንሰብኣዊ ፍጡር ነቲ ተፈጥሮ ባዕላ ንበረኻ ክፃወር ኢላ ዝፈጠረቶ  እንስሳ ግመል’ውን ብፍፁም ክዘልቆን ክፃወሮን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዘይሕሰብ  ይተርፍ ሰብ ሰትዩ ዝዕንገለሉ ንዝሓመመ ሰብ መድሓኒት መውሐጢ ደሊኻ ብፍንጃል እትኸውን ንጣብ ማይ  ዘይርከበሉ ፀምፀም በረኻ  ኣትዩ ብሕሱም ሓያል ሙቐት ካሊእ ይትረፍ ምስ ፀላእቲ ክዋገአሉ ዝሓዞ ናይ ባዕሉ ተተኳሲ ኣፅዋር ተይተረፈ ብሚሒር ሃልሃልታ ፀሓይ  ኣብ ማዓንጥኡ እናተፈንጀረ  ንፃት’ውን ክትፀንሕ ዘይፈቅድ ናይ ተፈጥሮ ነዳድ ተሓዊስዎ ብደው እናኸደ ኣካለቱ መኺኹ  ሂወቱ እንትዝልዐፍ አረ ሰብ ድዩ ናይ ማን ከም ሃገሩ ፍጡር ዘብልዶ ኣይኮነን ! ብማይ ፅምኢ መልሓሱ ደሪቁ  ምዝራብ ኣብይዎ ኣፉ ተሎጉሙ ብምልክት ገሊኡ እናጨረሐ ኣዮኹም ብፃት ዕላማና ቀፅልሉ ! ኣዶ ትግራወይቲ ብፀላኢ ከይትግፋዕ ኢሉ ሓደራ ኣሸኪሙ ዝሓለፈ ናይ ማን ወዲ ህዝቢ ብናይ ተፈጥሮ ተፅዕኖ ዘይስኮን ተጋዳላይ እምበርከ እዚ ቃል እዙይ ንቲ ጅግንነቱ  ብትኽክል ይገልፆዶ ይኸውን? መዝገበ ቃላት ኣገማጢልና ካሊእ ንዑ ነቲ ምስ ከምኡ ዝበለ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ተፈጥሮ እውን ገጢሙ ዝወፀ ዘይተሰኮነ ተጋዳላይ ነቲ ዘይንቡር ዝበሃል ንቡር ዝገበረ ነቲ ዘይከኣል ዝበሃል ይትረፍ ወዲሰብ ክገብሮስ ክሓልሞ’ውን ይኽእልዩ ተባሂሉ ዘይግመት ተኣምር ዝሰርሐ  ከምቲ ከያኒ ዝበሎ ሰብ’ማ ሰብ ኢኻ ሂወት ሒዝካ ከምሃገርካ …. ግን ግን መግለፂ ዝተስኣኖ ተጋዳላይ ኢልካ ምሕፃርዶ ይሐይሽ ይኸውን ፡፡

 እቲ ወዲ ሰብ ንኽቅበሎ ዝኸብዶ ይትረፍ ኣብ ሞንጎ ዒስራን ሳላሳን ዕድመ ዘሎ ገና ትኩስ ዓርጣም መንእሰይ ወዲ ሰማንያን ቴስዓን ዝኮነ ብተነፃፃሪ በዓል ዕድመ ፀጋ ንሞት ከመይ ከምዝፈርሓ  ኩልና ከካብ ህይወትና ተላዒልና እንርድኦ ጉዳይ እዩ፡፡ ነቲ ብፀጋ ዝተቐበሎን ዝወሰነን  ተጋዳላይ  ግና ንናይ ህዝቢ ጥቅምን ረብሓን ብትክኽል ኽኽፈል ዘለዎ ዋጋ ምኳኑ ንፃት’ውን ተመናቲኡሉ ኣይፈልጥን  ፡፡ ብጥይት ተወቂዕኻ  ኣብ ዓውደ ውግእ ተኳሺሕኻ ንፀላእቲ ስዒርካ መስዋእቲ ምኽፋል ዕለታዊ ሂወቱ ንቡር ክሰርሖ ክገብሮ ዝወሰነ ተዘይገይሩዎ’ውን ሓደ ነገር ከምዘጉደለ ንባዕሉ ንነብሱ እናሓተተ ተጠያቂ እናገበረ ዝውዕል ዝሓድር ዋእ ከመይ ዝበለ ፅንዓት እዩ ነይርዎ ! ኣብ ዓውደ ውግእ ኣትዩ ንሂወቱ ዓቂቡ ክወፅእ እናተገቦኡ ንህዝበይ ክስዋእ ኣለኒ ኢሉ ኣቐዲሙ ንባዕሉ ንመስዋእቲ እናቃለዐ ዝስዋእ ዝቆስል ኣካሉ ዝጎድል ክንደይ ኢልካ ክቁፀር፡፡ መን ካብ መን ክትፈሊ ናይ ኩሉ ተጋዳላይ መለለይን መግለፂኡን  ፍሉይ ሕላገቱን  እንድዩ ነይሩ  ፡፡ ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈ ከዓ ንምንታይ ኣነ ክሳዕ ሐዚ ፀኒሐ ንምንታይ ዕድመይ ነዊሑ ንምንታይ ካብቶም ዝተሰውኡ ብፆተይ ኣነ በይነይ ተሪፈ እናበለ ዓሰርተ ሻዕ ምንም ጥፍኣት ዘይብሉ እናሃለወ ይትረፍ ናቱ ወገን እቶም መጋጥምቱ ፀላእቱ ባዕሎም  እንተይተረፉ ኣብ ዓውደ ውግእ ብዘርእዮ ጅግንነት ቆራፅነት  ምሽጥር  ዓወቱ ዘይተረደኦም ኣታ እዙይስ ናትና ተዝኾውን ነይሩ ኢሎም ዝብህግዎን ንጅግንነቱ ዝምስክርሉን  ሃርበኛ ተጋዳላይ !! ብኣጋጣሚ ካብ ሃልሃልታ ተሓናነቅ ኩናት ተተሪፉ ንባዕሉ ደጋጊሙ ዝነቅፍ ድቃስ ዝኣብዮ ናብ ኩናት እንትኣቱ በቃ ሎሚስ ዕድመ ፀላኢ ንምሕፃር ክስዋእ ኣለኒ ኢሉ ወሲኑ ዝኣቱ ብተግባር ናይ ህዝቢ ወገንነቱ ዘመሰከረ ወዲ ህዝቢ ተጋዳላይ ዝነበሮ ስብእና ካባይ ንላዕሊ እቶም መሃንዲሳት ውግእ  ተዝገልፅዎ ከመይ ምፀበቀ ፡፡  

ኣብ ዓውደ ውግእ ተወጊኡ ገሊኡ ብኸቢድ ብረትን ቡምባ ፀላኢን ኣካላቱ ተመናጢሉ ኣብ ቅድሚኡ ረጊፉ እናረአየ በታ ዝተረፈት ኣካሉ ቀልጢፋ ሂወቱ ከይሓለፈት ጅግንነቱ ንካልኦት ከሕልፍ  ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ምስውኡ ዘይትርፍን  ርግፀኛ ምኻኑ እናፈለጠ ዝተቆረፀ ኢዱን እግሩን ኣልዒሉ ዓወት ንሓፋሽ ! ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ ! ኢሉ ጨሪሑ ብጅግንነት ዝተሰውአ ተጋዳላይ ናይ ማን ከምዙይ ዝበለ ፍፃመ ኣብ ዓለምና  ብዘይካ ንሱ ካሊእ ሰብ ሰሪሕዎዶ ይኸውን እስቲ ናይ ካልኦት ወያነታት ታሪኽ መዛግብቲ ዘንበበኩም ኣብ ቬትናም ፣ኣልባንያ ፣ ቻይናን ሶቭየት ሕብረትን ካልኦት ዝሓለፉ ናይ ህዝቢ ቃልስታት ከምዙይ ዝበለ ንምእማኑ ዘፅግም  ጅግንነት ተፈፂሙዶ ይኸውን !!

ወዲ ሰብ ንክነብር ክበልዕ ክሰቲ ክኽደን ብናይ ተፈጥሮ ሕግጋት ግድን እዩ፡፡ ተጋዳላይከ እንታይ ይበልዕ ነይሩ?  ንቡር ወዲ ሰብ ዝምገቦ  ካብ እኽሊ ዝተሰርሐ ዝብላዕ ነገር ነይርዎዶ? ብፍላይ እቲ ቃልሲ ኣብ ዘይደልደለሉ ገና ብዕሸሉ ብምንታይ ይዕንገል ነይሩ ይኽውን?  ይትረፍ ወዲ ሰብ መብዛሕቶኦም እንስሳ ዘይምገብዎ ኣብ በረኻ ዘሎ ፍልሖ ዝሰርሕዎ ጒላ ሓመድ እናለሓሰ ፣ ቆፅሊ ሱራሙር እናኣረየ ፣  ዓሰርተ ሻዕ ዝተቐቐለ ምንም መቐረት ዘይብሉ ዓፅሚ እዙይ’ውን ከምቲ ሰብ ብንቡር ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ጊዜ ዝምገቦ ክረክብስ ይትረፍ ንእንትፋሱ ተፅንሕ ኣይተምውት ኣይተሕዩ ከም ንቡር ዝዕንግለላ ዘይኮነስ ንሽሙ እኽሊ ለኺፉ ንኽበሃል ኣብ ሳልስቲ ካብ ሞት እተድሕኖ እትቅመስ ወይ ዕኹቲ ቆሎ ወይ ዝደረቐትን ዝዓሰወትን ቁራስ ደረቅ እንጀራ ተረኺቡ’ውን ፅቡቅ፡፡ መሊእኻ ምፅጋብ ምርዋይ ኣማሪፅካ ምብላዕ ፍፁም ዘይሕለም ኮይንዋ እንትንፋስ መቐነይት ከም ኪኒንያ ብመሻርፍ እትዕደል ተተረኺባ ዝነቐፀት ደረቅ ኮሮንሾ ከምንቡር መተርከሲ ዘይብላ ቀሚሱ ብጥሙዩ ፅጉብ ንሱ ተይበልዐ ብፆታይ ይብልዑ ዝብል  ኣብቲ ህዝብና ብሰንኪ ድርቂ ዝብላዕ ዝለሓስ ዝሰኣነሉ ክፉእ ግዜ’ውን ተኾነ ቅድምያ ህዝበይ ይተዓንገል ዝብል ሓልዮትን ሰብኣውነቱን ብተግባር ናይ ህዝቢ  ወገን ምኻኑ  ዘመስከረ እዩ ነይሩ ፡፡ እዙይማ ቀቀሊሉ ንወዲሰብ ንምሽካሙ ዝኸብዶ ማይ ተይሰተይኻ ንነዊሕ እዋን ምፅናሕ እዩ ፡፡  እንተ ተጋዳላይ ግና ንምስታይ ንምርዋይ ተይኮነስ መልሓሱ ንምትርካስ ኢሉ ዝረኸቦ ዝኣገለ ማይ ወራዲ ሓርየት ኣብ ገሊኡ እንስሳት ዝሞትሉ ዕቋር ማይ ንጥዕንኡ ናብ ሓደጋ ዘውድቅ እናሃለወ ምእንተ ናይ ህዝቢ ዕላማ ክዕወት ሂወቱ ኣትሪፉ ቃልሱ ክቅፅል ነታ ዝረኸባ ይሰቲ ካሊእ መማረፂ የለን እንታይደኣ ክገብር  ስብ ዝስተ ማይ ስኢኑ ናይ ባዕሉ ሽንቲ ንባዕሉ ዘይኮነስ ንካሊእ ዝገደደ ብፃዩ ሂቡ እንትንፋስ እንተትርፍ ኣበይ ተራኢዩ ኣብ ካልኦት ኩርናዓት ዓለም ተገይሩዶ ይኸውን? ኣነሞ እንድዒ ፡፡ ተጋዳላይ ግና ገይርዎ፡፡ ኣብ ፎቆዶ በረኻታት ማይ ተሳኢኑ ብዙሕ ተጋዳላይ ኣንከርዲዱ ብሰንኪ ፅምኢ ማይ ሂወቱ እናሓለፈ ናይ ባዕሉ ሽንቲ’ኳ ንባዕሉ ከይጥቀም ንዝገደዱ ብፆቱ  ሽንቲ መቂሉ ንመሪር ኩነታት ክሓልፍ ዝኸኣለ ናይማን መርኣያ ፅንዓት መርኣያ ጅግንነት ተጋዳላይ  እዙይስ ከምሃገሩ ፍጡርድዩ ዘብልዶ ኣይኮነን ፡፡  

ኣብ መፋርቅ ዒስራ ክፍለ ዘመን ዓለምና ብውፅኢት ቴክኖሎጂ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ኣብዝበፅሐትሉ ዝተራቐቐ ናይ ሕክምና መሳርሒ ተጠቂምካ ናይ መጥባሕቲ ስራሕቲ ኣብዝካየደሉ ጊዜ ተጋዳላይ  ኣብ ዓውደ ውግእ ኣትዩ እግሩ፣ ርእሱ፣ ዓይኑ ፣ ከብዱ አረ ኹሉ ዘይተተንከፈት ኣካል ኣይነበረቶን፡፡ እዚ ኩሉ ፍጅዕጅዕ ኢሉ ገሊኡ መዓንጥዑ ናብ ቅድሚኡ ተዘልዘሉ ወፅዩ እግሩ ኢዱ ተዘልዒፉ ዝሕከመሉ  ዝዘመነ ሕክሞናዶ ነይሩዎ ይኸውን  ብፍፁም ዘይሕሰብ ዘይከኣል እዩ ነይሩ ፡፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲና ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ እቲ ቃልሲ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ እናሃለወ ተጋዳላይ ብዘይምንም መደንዘዚ ብናይ ሕክምና መሳርሒ ተጠቂምካ  ዘይኮንስ በቲ ኩልና እንፈልጦ መሳርሒ ሕርሻ መቁረፂ ኦም ጎዞሞ  ኢዱ ተቆሪፁ፡፡  ሰብ ኮይኑስ ከምዕንፀይቲ ብሓፂን ይቁረፅ አረ ዝእመን ተዛረቡ ናይ ብሓቂ ተገይሩ ድዩ?   ኢሉ ዝሓትት ሰብ ኣይሰኣንን፡፡ ተሓተተ’ውን ንቡር እዩ፡፡ ይትረፍ ንዘይነበረ ንቲ ኣብኡ ዝተኻፈለ’ውን ተመሊሱ ዘገርም ፍፃመ ናይ ብሓቂ ሰሪሕናዮ ዲና ዘብል ግና ተገይሩ ኣብ እንዳ ተጋዳላይ ዝሰኣኖ የለን ፡፡ ይከኣል’ምበር ኣይከኣልን ኣይፍለጥን ፡፡ እመኑ ኣይትእመኑ ተጋዳላይ ግና ገይርዎ ንዕላማ ኢልካ ዘይኽፈል ዋጋ የለን ኢሉ ከፊልዎ፡፡  እስኪ ኩላትና ንሕሰቦ ስፒል ወይ እሾኽ ወጊኣትና ክንደይ ንቅንዞ ንኸውን? ተጋዳላይ ግና ዘይሓለፎ ፀገም እንታይ ኣሎ ዘይተዘረበ’ምበር ዘይተገበረ ደሎ’ዩ ኢልካዶ ምሕፃር ይሐይሽ፡፡

ተተዘርዚሩ ተጋዳለይ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ገሊፅካ ይውዳእ ድዩ እዚ ኩሉ ሂወቱ ዝገበረ  ንህዝቢ ትግራይ ነፃነት፣ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ንምምርግጋፅ ተባሂሉ  ልዕሊ ዓቀን ዝተኸፈለ መስዋእቲ ብቃላት ዘይግለፅ መሪርን ወዲ ሰብ ክፆሮ ይክእል እዩ ተባሂሉ ዘይግመት ማንም ሰብ ይትረፍ ክትግብሮ ክሓልሞ ዘይኽእል ብጋሕዲ ግና መብዛሕትኡ ካብ ገጠር ዝመፀ ፊደል ዘይቆፀረ ወዲ ሓረስታይ እቲ ዝወሓደ ከዓ ብተነፃፃሪ ዝሐሸ ትምህርቲ ዝነበሮን ናብራ ከተማ ዝለመደን  ተምሃራይ ከተመታይ ኩሉ ግና ኣብ ዕስራታትን ሰላሳታትን  ዕድመ ዝምደብ ለግለግ መንእሰይ ህዝቢ ክሓልፈሉ ኢሉ ንታ ፍፀም  መተካእታ ዘይብላ ሂወቱ ገቢሩ፡፡ ንዛ ብኩንትራት  ዝተመደበት ዕድመ ወዲሰብ ምንም ተይጠዓመላ ንሓዋሩ ንናይ ህዝብታት ራህዋን ሰላምን ኢሉ ሂወቱ ዝገበረ ሃርበኛ ተጋዳላይ ዝብል ስያመ ምሃቡ ዝግቦኦን ዝገልፆን እዩ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ካሊእ መግለፂ ተዝህሉ’ውን ይግቦኦ ብዘይምንም ኣፈላላይ  ፡፡ ኣዶ ትግራወይቲ ከምዙይ ዝበለ ጅግና ወዲ ህዝቢ ወሊዳ ፡፡ ወሊደ ትበል ዋዕሮ ኣዶ ጅግና !!  መዓዝ ሓደ ጥራሕ ካብ ስድራ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኣብ ገሊኡ ከምስድራ ወፊሩ ዝበዝሕ ኣይተመለሰን በቃ ግቡኡ ፈፂሙ ፡፡ ወለዲ ክሳዕ ዝጥውሮም ዝስእኑ ልዕሊ ዓቀን መስዋእቲ ተኸፊሉ ኣብዙይ ተበፂሑ፡፡ ተጋዳላይ እንትበሃል እዙይ እዩ ትርጉሙ፡፡ ናይ ማን እዙይ ዘይተዘየመሉ፣ ዘይተደረፈሉ ፣ ዘይተዘረበሉኸ መን ክዝረበሉ  እዚ ጅግናን  ሰራሒ ታሪኽ ዝኮነ ተጋዳላይ እዚ ስብእና እዙይ ክሕዝ ዝገበሮ ግና ንበይኑ ዝተዓደሎ  ሃርበኝነትን ህርፋን ውግእን ስለዝነበሮ ዘይኮነስ ቅድሚ ኹሉ ረብሓ ህዝቢ ኣቐዲሙ ስለዝተቃለሰ  ምኻኑ ግልፅን ግልፅን ኢዩ፡፡

ሎሚኸ ተጋዳላይ ሕድሩ ኣፅኒዑዶ ይቅፅል ኣሎ ?

እሞኸ  እዚ ታሪክ ዝሰርሐ ተጋዳላይ እቲ ብሂወት ዘየለ ዝለዓለ ናይ ሂወት ዋጋ ዝኸፈለ ሓሊፉ ኣሎ፡፡ ንሱ ግቡኡ ፈፂሙ ሒሳቡ ዓፅዩ እዩ፡፡  በቃ ዝሕተቶ ነገር የብሉን፡፡ ኣብታ ዝነበረት መዋእል እታ ዝተሓተታ መሊሱ ካብ ሂወት ዝዓቢ ነገር የለን’ሞ ታዝለዓለት ንሱ ዝውንና በቃ ሂወቱ ኣወፊዩ ፡፡ ሒሳቡ ዓፅዩ ፡፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ እቲ  ካብ ብሱል ጥረ ብኣጋጣሚ ዝተረፈ ሐዚ ብሂወት ዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ስራሕ ተዋፊሩ ዝሰርሕ ዘሎ ተጋዳላይን እቲ ኣብዚ መዋእል እዙይ ዘሎ መንእሰይ ወለዶን  ነተን ናይ ተጋዳላይ ክብርታት ብዝግባእ ይወርስን ዶሎ? ዝብል  ተላዒሉ መልሲ ዘድልየሉ እዋን መፂኡ ኣሎ ፡፡

ኣብዝ ሐዚ እዋን ሃገርና ናብ ፈታኒ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣትያ ኣላ ፡፡ ትማሊ ዝተጋደልናሉ ዝወዳቅናሉ ቀያሕትን ፀለምትን ደቂ ህዝቢ ዝገበርናሉ  ህዝባዊ ዕላማ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ተይበፅሐ ክራይ ኣካቢ ኣመራርሓ ብዝፈፀሞ ታሪካዊ ስሕተት ኩሉ ነገር ናብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ ፡፡ እቲ ሐዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ተመሊሱ ነቲ ናይ ትማሊ ታረኽ ዝሰርሐ ተረፍ መስዋእቲ ተጋዳላይ ሓዱሽ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣሸኪምዎ ኣሎ ፡፡   ስለዚ ነቲ ጠጠው ዝበልናሉ ህዝባዊ ዕለማና  ኣብ ሽቱኡ ንምብፃሕ ኣብዝሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላሉ ዘሎ ሓደጋ ብኣግባቡ ክንምክቶን ተኮይና ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ሐዚ ብቅልጡፍ ውዳብኡ ኣመዓራርዩ ንብሄራዊ ክብርን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ዝቃለሰሉ እዋን ሐዚ እዩ ፡፡     

ዘልኣለማዊ ዝክሪ ንሰማእታትና !!!

(ምንጭ : ዓይጋ ፎረም )
 

No comments: